Friday , April 26 2024
Vaccination certificates for going to a concert can be a good idea, according to some parliamentary parties. Foto: Johan Jeppsson / TT / kod 10730

ቬንስተር ፓርትየት፡ ንወረቐት ምስክር ክታበት፡ ኣይፋል ይብል

ብርክት ዝበላ ባይቶኣዊ ሰልፍታት፡ ንምትእትታው ወረቐት ምስክር  ክታበት፡ ክቕበላ እንከለዋ፡ ሰልፊ ቬንስተር፡ ግን ነቲ ዝቐረበ እማመ፡ ከምዘይሰማማዓሉ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ንጸብጻባት ተሌቪዥን SVT Nyheter ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ሰልፍታት ሊበራልና፡ ሞደራትናን ክሪስትያን ዲሞክራትናን ንወረቐት ምስክር ክታበት ክቕበላ እንከለዋ፡ ኣብ ከመይ ኩነታት፡ ንዝብል ሕቶ ግን፡ እተን ሰልፍታት፡ ዝተፈላለየ ርእይቶ ከምዘለወን ተገሊጹ። ከም ኣብነት ክጥቀስ እንተድኣ ኮይኑ፡ ወረቐት ምስክር ክታበት፡ ኣብ ዓበይቲ ኣጋጣሚታት ጥራይ ክንጥቀመሉ ኣለና ክብል፡ ሰልፊ ክሪስትያን ዲሞክራትና፡ ርእይትኡ ገሊጹ።

ንወረቐት ምስክር ክታበት፡ ኣብ ተግባር ንምውዓል ዘኽእል ሓያል ዝኾነ ትሕተ ቅርጺ የብልናን ድሕሪ ምባል ቅድሚ ከምዚ ኢልና ምውሳን፡ ብዙሕ ነገራት ኣብ ግምት ከነእትውን ንጅምረሎም ጭብጥታት ውን ክህልውና ይግባእ ክትብል ወሃቢት ቃል ማሕበራዊ ፖሊሲ እቲ ሰልፊ፡ ካሪን ሮግኾ፡ ገሊጻ።

ሰልፍታት ሶሻል ዲሞክራትናን ሰንተርን፡ ንወረቐት ምስክር ክታበት፡ ክቕበላ ቅሩባት ምዃነን ክገልጻ እንከለዋ፡ ሰልፍታት ሚልዮፓርቲየትን ስቬርያ ዲሞክራትናን ግን ክሳብ ሕጂ ርኢቶአን ኣይሃባን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com