Saturday , April 27 2024

ቮልቮ ባህሪ ዘወርቲ መካይን ብዕምቈት ንምርዳእ ዝሕግዝ ካሜራ ኣብ ሓደስቲ መካይን ክልቅብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ቀንዲ ሰራሕ መካይን ሽወደን ቮልቮ፥ ባህሪ ዘወርቲ መካይን ብዕምቈት ንምርዳእ መታን ክሕግዞ ብምባል ኣብ ዝሰርሐን ሓደስቲ መካይን ካሜራ ክልቅብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኩባንያ ከም ዝገለጾ እዘን ካሜራታት ኣዝየን ምዕቡላት፡ ብሌን ኣዒንቲ ዘዋር መኪና ብምዕዛብ ጥዕናዊ ጸገም ዝምርምራ: በዚ መርመራ ጥዕናዊ ጸገም እንተኣለልየን ናብ ኣባል ስድራቤት ወይ ሆስፒታል ጻውዒት ከም ዝገብራ ኮይነን እየን ተሰሪሐን።

ምስ ስማርት ፎንን ካልእ ናውትን ብምውድዳር እዘን እዘን መካይን ብዙሕ ንወነንተን ብዙሕ ጥዕናዊ ረብሓታት ክህባ ዝኽእላ እየን ኢሎም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com