Saturday , April 27 2024
Bild: Heiko Junge/TT

ተመሃሮ ዝወስድዎ መጠን ኣልኮል ከምዝጎደለ ተሓቢሩ::

ኣብ መጽናዕትን ስፖርትን ብምጽማዶም ንማሕብራዊ ሜዳ ግዜ ዝስእኑ ኮተቴ ተመሃሮ ዝወስድዎ መጠን ኣልኮል ዝጎደለ ምዃኑ ተሓቢሩ። እዚ ዝትባህለ ብመስረት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ትርከብ ኤቫ ሳሙኤልሰን ዝትባህለት ሽወደናዊት ተመራማሪት ዝገበረቶ መጽናዕቲ እዩ።

ኤቫ ሳሙኤልሰን ንብዙሓት ተመሃሮ (እንተላይ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ) መዓስ ኣልኮላዊ መስተ ከም ዝወስዱን ግዜኦም ብኸመይ ከም ዘሕልፍዎን ቃለመሕትት ኣካይዳ እያ።

ብመሰረት ጸብጻባት ሃገራዊ ማእከል ሓበሬታ ኣልኮልን ዕጸ-ፋርስን ኣብ ዝሓልፉ 15 ዓመታት ቁጸሪ ሰተይቲን ተጠቀምቲ ዕጸ-ፋርስን ምጒዳል ኣርእዩ’ሎ።

ግዜ ምስኣን ከም ውሁብ ኮይኑ መንእሰያት ብዛዕባ ጥዕናኦምን ኣካላቶምን ዘለዎም ግንዛበ ምዕባዩን ዝበዝሕ ግዜ ምስ ወለዶም ምሕላፍ ከም ዝመርጹን ኤቫ ሳሙኤልሰን ኣብ መጽናዕታ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com