Tuesday , March 19 2024
ቅርጺ ክሮና ቫይረስ ስእሊ፥ ማእከል ምክልኻል ሕማማት , EPA / TT

ተደጋገምቲ ሕቶታት ብዛዕባ ክሮና ቫይረስ

ህዝባዊ ጥዕና በዓልስልጣን ነዚ ዚስዕብ ሕቶን መልስን ኣኪቡ ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ SARS-CoV-2 ጠንቁ ዝኾነ   covid-19 ይምልከት። እዚ ገጽ’ዚ ንሓፋሽ ይምልከት። ዳሕረዋይ ሓበሬታን ግዜያዊ ኣሃዛትን ኣብ  vår sida om utbrottet. ይርከብ። 

ኮሮናቫይረስ እንታይ እዩ?

ብዙሓት ናይ ኮሮናቫይረስ ኣዝማድ ዝኾኑ ቫይሩሳት ኣለዉ፡ መብዛሕትኦም ኣብ እተፈላለዩ እንስሳታት ድማ ይርከቡ። ካብዚኣቶም ውሑዳት እዮም ንሰብ ዚለኽፉ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንሰብ ዚለኽፉን ዘሕምሙን ሸውዓተ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣለዉ። ካብዚኣቶም እቶም ኣርባዕተ ልሙዳት እዮም፡ ፍሉ ጥራይ ከኣ’ዮም ዘስዕቡ። ናይ SARS- ከምኡውን MERS-ኮሮናቫይረስ ግን ሓደገኛ ናይ ሳምቡእ ሕማማት እዮም ዘስዕቡ። ኣብ መጠረስታ 2019 ኣብ ሃገር ቻይና ንሰብ ዚለክፍ ሓድሽ ቫይረስ ተኸሲቱ። እዚ ሓድሽ ቫይረስ ዘስዕቦ ሕማም፡ ኮቪድ-19 ይብሃል።  

ኮቪድ-19 እንታይ እዩ?

WHO ነቲ ብመገዲ ሓድሽ  SARS-CoV-2ን ዚመጽእ ሕማም ብወግዓዊ መገዲ  covid-19 ዚብል ስያመ ሂቡዎ ኣሎ። ኮቪድ-19 ማለት ኮሮናቫይረስ ዲዚዝ 2019 ማለት እዩ። 

ኮቪድ-19 ካብ ፍሉ ዚፈልዮ እንታይ እዩ?

ንኮቪድ-19 ምስ ወርሓታዊ ፍሉ ከተወዳድሮ ከቢድ እዩ። ክልቲኣተን ብብዙሕ መግዲ ይመሳሰላ እየን፡ ተመሳሳሊ ምልክታት እውን የርእያ እየን። ግን ከኣ ክልቲኣተን ብቐሊል ምልክታት ጀሚረን ኪቐትላ እውን ይኽእላ እየን። ይኹንምበር፡ ኮቪድ-19 ዝያዳ ናይ ምዝርጋሕ ዓቕሚ ኣለዎ። ከምዚ ዚገብሮ ድማ እቲ ግዳይ ኣንጻር’ቲ ሓድሽ ሕማም ተጻዋርነት ወይ ኢምዩኒቲ ስለ ዘየጥረየ እዩ። 

ወርሓታዊ ፍሉ ካብ ዚረአ ነዊሕ ዓመታት ሓሊፉ እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ እቲ ህዝቢ ኣብ ኣካላቱ ናይ ምክልኻል ወይ ኢምዩኒቲ ዓቕምታት ፈጢሩ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ነቲ ሕማም ዚከላኸል ክታበት ወይ መድሃኒት ኪፍጠር ክኢሉ እዩ። 

ናይ ኮቪድ-19 ምልክታት ሕማም እንታይ እዩ?

ናይ ኮቪድ-19 ቀንዲ ምልክታት ረስንን ሰዓልን እዩ። ከምኡውን ናይ ምስትንፋስ ጸገምን ናይ ንፋጥ ጸረርታን፡ ቃንዛ ጎረሮን ቃንዛ ርእስን ቀጨውጨ ምባልን ናይ ጭዋዳታትን መላግቦታትን ቃንዛን፡ ልሙዳት ምልክታት እዮም። ኮቪድ-19 ዝሓዞ ሰብ ኩሉ’ቲ ምልክታት ከየርኢ እውን ይኽእል እዩ። ገሊኡ ምልክታት ኣብ ገዛኻ ኴንካ ኪጠፍእ ዚኽእል እዩ። ሰባት ግን እቲ ምልክታት እናበርተዐ ይኸዶም እሞ ምስትንፋስ ይኸብዶም ናይ ሳምቡእ ረኽሲ ድማ ይመጾም። 

ካብቲ ብሕማም እትልከፍ ግዜ ክሳዕ መጥቃዕቲ ካብ 2-14 መዓልታት ይወስድ ኣዩ። ገለ ድማ ድሕሪ 5 መዓልታት ይሓሙ። ሓድሓደ ምልክታት ግን ካልእ መልክዕ ይሕዙ እዮም

ዝኾነኾይኑ ሓደ ሰብ ሕማም ኪስምዖ ከሎ ኣብ ገዛ ኪጸንሕ ይምረጽ። ኣብ ገዝኡ ንነብሱ እናተኸናኸነ ምስ ዘይሓዊ ናብ 1177 ማለት ናይ ሆስፒታል ወሃብ ምኽሪ ኪድውል ይኽእል እዩ። 

እቲ ኣነ ዘርእዮ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ኣለርጂ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብኸመይ እፈልጥ?

ኮቪድ-19 ብወገኑ ተመሳሳሊ ግን ቀሊል ናይ ፍሉ ምልክታት የርኢ ብምዃኑ፡ ኣብ መጀመርታ እቲ ሕማምካ ፍሉ ዲዩ ወይስ ኮሮናቫይረስ ዲዩ ምፍላጡ ኣሸጋሪ እዩ።  

ስለዚ ቀሊል ሰዓልን ጸረር ዚብል ንፋጥን እንተሎካ ከምኡውን ኣብ ጎረሮኻ ዘሕምመካ እንተ ኾነ፡ ኣብ ገዛኻ ጽናሕ። ከም ቀደምካ ነቲ ዘድልየካ ኣፋውስ ውሰድ። ምልክታት ምስ ዚመሓየሽ ግን እቲ ሕማምካ ኣለርጂ ኪኸውን ስለ ዚኽእል ኣብ ገዛ ምጽናሕ ኣየድልን። 

ምስ ኣለርጂ ዘይከይድ ምልክታት ምስ ዚስመዓካ ግን፡ ማለት ምስ እትረስን፡ ንኽልተ መዓልታት ዚኸውን ኣብ ገዛኻ ጽናሕ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com