Monday , April 29 2024

ታንዲ ኒውተን፡ ናብ መበቆላዊ ዚምባብያዊ ኣጻሕፋ ስማ፡ ክትምለስ ከም እትደሊ ትገልጽ

ስማ ነቲ ብጽልዋ ቋንቋ እንግሊዝኛ፡ ታንዲ፡ Thandie ተባሂሉ ዝጸሓፍ ዝጸንሐ ስማ ብምቕያር ናብቲ መበቆላዊ ዚምባብያዊ ኣጻሕፋኡ Thandiwe ክእረም ክትገብር ምዃና ገሊጻ’ላ።

ካብ 1991 ጀሚራ፡ ኣብ ፊልሚ ዓለመ ካብ እትኣቱ ጀሚራ፡ ክወሃባ ዝጸንሐ ኣፍልጦ ተዋሳእነት (ክረዲት) ብምልኡ በዚ ግጉይ ኣገባብ ምስናዱን እንተኾነ ግና በዚ ሓድሽ ኣጻሕፋ ክእረም ከም እትገብር ገሊጻ’ላ። ንሳ “ስመይ ብግቡእ ዝጸሓፈሉ ኣገባብ እዚ እዩ” ኢላ’ላ።

ታንዴዊ፡ ኣብ ሆሊዉድ ዝረአ ዝነበረ ዋሕዲ ብዙሕነት፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተመሓየሸ ይመጽእ ምህላዉ ምስ መጽሄት ቮግ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ ገሊጻ’ላ።

ጸለምቲ ተዋሳእቲ፡ ኣብ ናይ ፊልሚ ዓለመ፡ ኮነ ኢልካ ዝወሃቦም ሕማቕ ምስሊ ኣብ ምህናጽ ክተሓባበር ፍቓደኛ ዘይምዃነይ ኣዝዩ እዩ ዘሐጒሰኒ” ክትብል ታንዴዊ ትገልጽ።

ታንዴዊ፡ ካብ ብሪጣንያዊ ኣቦን ዚምባብያዊት ኣደን ኣብ ላንደን እያ ተወሊዳ። ንሳ ኣብ ተኸታታሊ ፊልም HBO sci-fi ብዘርኣየቶ ናይ ምውሳእ ብቕዓት፡ ተሸላሚት ኤሚ፡ ክትከውን ምብቅዓ ይፍለጥ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ዓመተ 2006፡ ናይ ባፍታ ፊልም ሽልማት፡ እውን ተዓዊታ ምንባራ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com