Friday , April 26 2024
Johan Nilsson / TT

ትንቢት ኩነታት ኣየር ሽወደን ክምሓየሽ ምኻኑ ኣሚቶም!!

ንኽልተ ሳምንቲ ድሕሪ ዝቐነየ ዝናብን ዝተዘበራረቐ ኲነታት ኣየርን ካብ ሰንበት ጀሚሩ ኣብ ሽወደን ክመሓየሽ እዩ ክብሉ ክኢላታት ሜትሮሎጂ ተነብዮም። ብመሰረት ክኢላታት ሜትሮሎጂ ሽወደን ኣብ ገለ ክፋላት ደቡብ ጎትላንድ Götaland ገሊኡ ከባቢታት ሙቐት ክሳብ 25 ዲግሪ ሴልሴስ ክበጽሕ ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ድሕሪኡ ኣብ ዝስዕብ ሰሙን ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ኲነታት ኣየር ብዙሕ ርግጸኛ ፍልጠት የብልናን ትብል ክኢላ እዚ ዓውዲ ሶደርበሪ። እንተኾነ ግና ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት እታ ሃገር ሓጋያዊን ሙቐታዊን ኲነታት ኣየር ክህሉ ምዃኑ ምልክታት ኣሎ ክብል እቲ ትካል ብተወሳኺ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com