Friday , April 26 2024
Foto: Fredrik Sandberg / TT / kod 10080

ትካል ሜትሮሎጂ ኖርወይ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ።

ትካል ሜትሮሎጂ ኖርውይ ኣብ ናንፍየላ ኣብ ልዕሊ ሃርዳንገርቪዳን ኤያንን ውርጪ ኣበርቲዑ ይነፍስ አሎ ዝብል መተሓሳሰቢ ድሕሪ ምውጽኡ፡ እዚ ምጽቕቓጥ ትራፊክ ክፈጥር ከም ዝኽእል ብምሕሳብ ምምሕዳር ህዝባዊ ጎደናታት ኖርወይ ብጫ መጠንቀቕታ ምውጽኡ ተገሊጹ።

“ቀትሪ ብዙሕ ትራፊክ ክህሉ እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎና፡ ስለዚ ድማ ሰብ ተሽከርከርቲ ነቲ ኲነታት ኣየር ክትዳለዉን ብጥንቃቐ ክትዝውሩን ነተሓሳስብ” ክብል ኣብ ምምሕዳር ህዝባዊ ጎደናታት ኖርወይ ኦፐሬተር ትራፊክ ማግኑስ ኒልሰን ን ጋዜጣ ኣግደርፖስተን ገሊጹ።. ኣብ ላንፍየላ ብርቱዕ ውርጪ ክወርድ ስለ ዝኽእል ኣብ እዋን ፋስጋ ናብ ኣባይቲ ገጠር ዝኸዱ ወይ ኣብ ልዕሊ እምባታት ዝዝውሩ ሰብ ደቡብ ኖርወይ ዘድሊ ጥንቃቐታት ክገብሩ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com