Thursday , May 9 2024

ትፈልጡዶ ቁ. 2 ? ብኣማኑኤል ሳህለ

1. ድሕሪ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣመሪካ፡ እታ ቀዳመይቲ ብ 1777 ንኣመሪካ ከም ሃገር ዝፈለጠታ ሃገር፡ ሞሮኮ ከም ዝኾነት ትፈልጡዶ?

2. እታ ኣብ ትግራይ ክልል እትርከብ ናይ ኣል ነጋሽ መስጊድ፡ ከም ካልአይቲ መካ ከም እትቝጸር፥ ከምኡውን ብሰንኪ መስጎግቲ ደቀመዘምራን ነብዪ መሓመድ፡ ብሰንኪ ፈላሚ መጥቃዕቲ ሃይማኖት እስልምና፡ ኣብ መካ ኣዛን ኣቋሪጹ ከሎ፡ ኣብ ነጋሽ ይቕጽል ከም ዝነበረ ትፈልጡዶ?  

3. ታሕሳስ 1-1890 ጥልያን ንኤርትራ ከም ግዝኣቶም ምስ መስረቱዋ፡ ባጽዕ እያ ከም ርእሰ-ከተማ ኤርትራ ብወግዒ እተፈልጠት። ደሓር ግን ብ 1897 ብኣስመራ ተተኪኣ። ይኹንምበር፡ እቲ ናይ ባጽዕ ወግዓዊ ናይ ርእሰከተማነት ኣዋጅ፡ ከም ዘይተሰረዘ ትፈልጡዶ?

4. ጠበንጃ ዚብል ቃል ካብቲ ናይ ቱርኪ ታባንጃ ዚብል ቃል ከም ዝመጸ ትፈልጡዶ? ጠብ መንጃዚብል መግለጺ ቅኑዕ ኣይኮነን። 

5. ኣብ ያታታት ዓረብ ውሩይ ዝኾነን ንዓብላ ኣፍቃሪኣ ዝነበረን ዓንተር ቢን ሻዳድ፡ ሓበሻ ከም ዝነበረ ትፈልጡዶ? ዓንተር ዎ ዓብላ እትብል ብ 1948 እተሰርሐት ግብጻዊት ፊልም፡ ናቱ ዛንታ እያ እትትርኽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com