Saturday , April 27 2024

ትፈልጡዶ?

1. ስዑዲ ዓረብ ካብ ኦስትረልያ ኣግማል ከም እትዕድግ

2. ኢራን፡ ብምሒር ናይ ድሕንነት ቅልውላው ብስለያ እተጠርጠራ 14 ምጹጽላይ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወት

3. ናይ ዓሳ ነባሪ ወይ ናይ ወይል መልሓስ፡ ካብ ምልእቲ ሓርማዝ ከም ዚኸብድ

5. እቲ ኣርምስትሮንግ እተባህለ ንመጀመርያ ግዜ ንወርሒ ዝረገጸ ኣመሪካዊ ኣስትሮኖት፡ ካብ ወርሒ ምስ ተመልሰ ብቤትጽሕፈት ኢሚግረሽን ከም ዝሓለፈ ትፈልጡዶ?

6. ወድሰብ እቲ እንኮ ፍጥረት ዘይ ናይ ኣዲኡ ጸባ ዚሰቲ ከም ዝኾነ ትፈልጡዶ? ካብ ኣሓን ጠለበጊዕን ብምሕላብ። ካልእ ከምኡ ዚገብር ፍጡር የልቦን። ኩሉ ነናይ ወላዲቱ ጸባ እዩ ዚሰቲ።

7. ወድሰብ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ኪድኰን ከሎ፡ (ብፈኖቲፒካላዊ መገዲ) ኣንስተይቲ ኮይኑ ከም ዚጅምር? ደሓር እዩ እቲ ናይ ጾታ ፍልልይ ቀስ እናበለ ዚግለጽ።

8. እቲ ኣብ 14 ክፍለ ዘመን ዝነብር ዝነበረ ኢብን ቃልዱን፡ ዓረባዊ ወዲ ቱኒዝያ (ሙስሊም)፡ ኣቦ ታሪኽን ሶሲዮሎጂን ኤኮኖሚክስን ምዃኑ ትፈልጡዶ?

9. እቲ ኣብ 11 ክፍለ ዘመን ኣብ ምዕራብ ከም ኣቪሰና ዚፍለጥ ዝነበረ ኢራናዊ ኢብን ሲና (ሙስሊም)፡ ኣቦ ዘመናዊ ሕክምና ከም ዝኾነ ትፈልጡዶ? እቲ ደሓር ብስም ሲልቨስተር ካልኣይ፡ ጳጳስ ናይ ሮማ ዝኾነ ዠርበርት ኦፍ ኣውሪላክ፡ ኣብ ስጳኛ ኣብ ትሕቲ ኢብን ሲና ፊዝዮሎልጂን ፊሎዞፊን ይምሃር ከም ዝነበረኸ ትፈልጡዶ?


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com