Friday , April 26 2024
Krister Larsson / TT

ቻይና ናይ ሽወደን ወፍሪ ክትክልክል እያ ተባሂሉ።

ሽወደን ገዚፍ ዕቚር ሃብቲ ናይ ማዕድናት ኣለዋ። እዞም ሳሕቲ ጥራይ ዝርከቡ ማዕድናት ኣገደስቲ ኣካላት ጽሩይ ጸዓታዊ ቴክኖሎጂ እዮም።

ይኹን’ምበር ቻይና ኩባንያታት ሽወደን ኣብ ዘቤታዊ ዕደና ወፍሪ ከይገብራ ክትክልክል እያ ተባሂሉ።

እዚ ዝኾነ ብምኽንያት እዘን ኩባንያታት ኣብ ኣህጒራዊ ዕዳጋ ዘለዎም ዕብለላን ጽልዋን እዩ።

ቻይና ዕደና ሳሕቲ ጥራይ ዝርከቡ ማዕድናት ብዓብላልነት ተካይድ ሃገር’ያ። እዚ ድማ 85 ሚእታዊት ኩሎም ናብ ዕዳጋ ዓለም ዝቐርቡን ዝሽየጡን ኣቕሑን ዝስርሑሉ እዩ።

ሳላ ዕብለላኦም ከኣ ብጽሒት ዕዳጋ ካልኦት ሃገራት ናይ ምጽላው ሓይሊ ኣጥርዮም ኣለዉ።

“ውድድር ረማዕ ዘብል ሓይሊ ዕዳጋ ኣለዎም” ይብል ኣብ ወኪል ፖሊሲ ዕብየት ኣማኻሪ ቶቢያስ ፐርሰን።

ንሽወደናውያን ኣውፈርቲ ገጢምዎም ዘሎ ካልእ ግድል ምስ ሕሱር ዋጋ ኣቕሑ ቻይና ምውድዳር ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈልየ ከባቢያዊ ሕጊን መንግስታዊ ደገፍን ምስራሕ እዮም።

” ምትግባር ሕጊ ከምቲ ናይ ሽወደን ኣይኮነን፡ ኣብ ቻይና ልሕልሕ ዝበል እዩ ” ብምባል ቶቢያስ ፐርሰን ይዛዝም።

ዛጊት ኲነታት ወፍሪ ምቹኣት እንተኾይኖም ሽወደን ኣብ ዕዳጋ ዕደና ናይ ባዕላ ብጽሒት ክህልዋ እዩ።

“እዘን ዓበይቲ ትካላት ዓማዊል እንተረኺንን ብዛዕባ ፍርያተን ንቕሓት እንተፈጢረንን ዕዳጋ ፍርያት ሽወደን ክውስኽ እዩ ” ይብል ቶቢያስ ፐርሰን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com