Tuesday , April 30 2024

ቻይና. . . ኩባንያ ሁዋዊ ካብ ጨረታ 5G ብምኽልካላ፡ ኣብ ልዕሊ ኩባንያታት ሽወደን፡ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ’ዩ

መንግስቲ ሽወደን፡ ንኩባንያታት ሁዋዊን ዚ.ቲ.ኢ. ን ኣብ ጨረታ ናይ 5G ንኸይሳተፉ ምኽልካሉ፡ ነተን ኣብ ቻይና ዝርከባ ኩባንያታት ሽወደን ብኣሉታ ክጸልወን ስለዝኾነ፡ ውሳኔኡ ክልውጥ ኣዘኻኺሩ ክብል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ቻይና ኣጠንቂቑ ክብል ሬድዮ ሽወደን፡ ንጸብጻባት ሮይተርዝ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣቃሊሑ።  

በዓል መዚ ኣገልግሎት ፖስታን መራኸቢታትን ሽወደን፡ ትማሊ ሰሉስ፡ ንቻይናውያን ኩባንያታት ሁዋውን ዚቲኢን፡ ብጸጥታዊ ዓይኒ ጠሚቱ፡ ኣብ መስርሕ ጨረታ 5G ንኸይሳተፋ ከምዝኸልከለ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com