Sunday , April 28 2024

ነርስ፡ ቀዳማይ ማዕበለ ኮሮና ምልክት ናይዚ እንርእዮ ዘሎና ካልኣይ ማዕበል እዩ ኔሩ

ከተማ ሄልሲንቦሪ፡ ሓንቲ ካብተን ብለበዳ ኮሮና እተጠቕዓ ከተማታት እያ። ሕጂ ዝለዓለ ለበዳ ኮሮና ዘለዋ ምምሕዳር ከተማ ምዃና ድማ ይፍለጥ።

እቶም ተሓጋገዝቲ ሓካይም (ነርስታት)፡ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ስለ ዘለዉ፡ ነዛ ንዓይኒ ምድሪ ዝኸዱላ ግዜ’ውን የብሎምን ክትብል ኣብ ሆስፒታል ሄልሲንቦሪ፡ ኣብ ጨንፈር ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ተሓጋጋዚት ሓኪም ዝኾነት ተረሳ ሞዲን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ። ንሳ ወሲኻ፡ ብዙሓት ካብ ኣባላትና፡ ግዳያት ሕማም ኮቪድ-19 ብምዃኖም፡ እቲ ኩነታት ኣሸጋሪ ክኸውን ክኢሉ ትብል።

ቀዳማይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና፡ ናይ መጀመርታ መእተዊ እኳ እንተኾነ፡ ገዚፍ ፍልልያት ግና ኣለዎ። ግድነት ኣበርቲዕና ክንዓይን ክንቃለስን ከድልየና እዩ” ክትብል ሞዲን ትገልጽ።

ክኢላ ስታቲስቲክስ ሄንሪክ ፐርሰን ብወገኑ፡ ምስ ብዝሒ ህዝቢ ከተማ ስኮና ዘይመጣጠን፡ ገዚፍ ኣካላዊ ጉድኣት ይወርድ ምህላዉ ጥራይ ዘይኮነ መጠን ለበዳ’ውን ኣሻቓሊ ምዃኑ ኣመልኪቱ’ሎ።

ካብ ትራፊክ እተረኽቡ ሓበሬታታት ከም ዘመልክትዎ፡ ተቐማጦ ሄልሲንቦሪ፡ ኣብ ኣብያተ ንግድታትን መዘናግዒ ቦታታትን ህዝባዊ ትራንስፖርትን ብብዝሒ ከምዝረኣዩ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com