Saturday , April 27 2024

ነዊሕ ጉዕዞ ሓቐኛ ዛንታ ብጸጋብርሃን ጎይትኦም 4ይን መወዳእታን ክፋል

 

“እስከ ኣብርህለይ፡ እተን ሰለስተ መንገድታት ዝበልክየን፧” ንዕላላ ኮሊፈ ተወከስክዋ።

“ብእግሪ ዝበልኩኻ፡ ካብ ግሪኽ ተበጊስካ ብተርታ ወይ ልክዕ’ኳ ዝፈልጦ ተዘይኮንኲ፡ ግና መጀመርታ ናብ መቖደንያ፡ ሰርብያ፡ ኲሬሽያ፡ ቦዝንያ ወዘተ እናቖረጽካ ናብ ኢታሊ ኢኻ ትኣትው፡ እዚ ብእግሪ ኾይኑ ከቢድን ምስ ደቒ ኣንስትዮ ዘይከይድን’ዩ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብተመሳሳሊ ናይ ኤውሮጳ ፓስፖርት ሒዝካ ብኣየር ፖርት ትፍትን፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ብዝተሰንዐ ቪዛ ትፍትን፡ ሰብ ብኸምዚ’ዩ ዝፍትን፡ እዚ’ውን ካብ 3500 ዩሮ ክሳብ 5000 ዮሮ እዩ ዝኽፈል። እቲ ሓቂ እዚ’ዩ ሰብ ስቕ ኢሉ ዘይከውን ሓበሬታ ዝህበካ። ብዝኾነ ኣሕዋተይ ክኸፍሉለይ ሓቲተ፡ ኣይንኸፍልን ኢና፡ እታ ዝደለኽያ ኤውሮጳ ኣቲኽያ ኢኺ፡ ኣብ ግሪክ ኢድኪ ሃቢ ኣይንኸፍልን ኢና ስለ ዝበሉኒ፡ ገንዘብ ክረክብ ኣይክኣልኲን፡ ገዛ ክራይ ብሓባር ተኻሪኻ ኢኻ ትቕመጥ፡ ንመግቢ ዝኸውን ወጻኢታ ኣለካ፡ እዚ ኹሉ ተደሚሩ ተስፋ’ዩ ዘቑርጸካ። ምኽኣሉ ስኢነዮ ናብ ዘብሎ’ዩ ጠፊኡኒ፡ ነታ ናይ ገዛ ክራየይን መግብን ተማዊቶም’ኳ ይሰዱለይ እንተነበሩ። ካብ ግሪኽ ንምውጻእ ዓቕሚ ስለ ዝሓጸረኒ፡ ናብ ዘብሎ’ዩ ጠፊኡኒ፡ ተስፋይ ተጸንቒቑ ድማ ዓቕለይ ክፍትነኒ ጀሚሩ፡ ኣብ ግሪኽ ኢደይ ከይህብ ድማ፡ ናይ ትምህርትን ናይ ስራሕን ዕድል የለን። ከይፈተዂ ድማ ነዊሕ ተቐመጥኲ። ግዜ ቖጺሩ ተስፋይ ተጸንቐቐ፡ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ብዘይ ፍረ ክሰግር ጀመርኲ። ካብ ኣሕዋተይ ተስፋ የለን፡ ካብ ኲሉ ተስፋ የለን፡ ተስፋ ንርእሳ ካባይ ክትሃድም ጀሚራ፡ ኩሉ ተጸንቒቑ ተስፋይ ኣላሽ ምስ በለ’የ ድማ፡ ናብታ ሓደገኛ ዕለት ኣብ ህይወተይ ዝበልዂኻ 17 መስከረም 2019 ብዘይ ምርጫይ ደበኽ ዝበልኲ። እወ ናብታ ሓደገኛ ዕለት ደበኽ ዝበልኲ፡ እዛ ዕለት ብፍጹም ኣብ ህይወተይ ትርሳዕ ዕለት ኣይኮነት—” ሕጂ’ውን ዝርንዛሕ ንብዓት ፈነወት። ነታ ዕለት ምስ ዘከረት፡ ንብዓት’ዩ ዝቅድማ፡ ኣብዛ ዕለት ዘሎ ሚስጥር ክፈልጥ ተሃንጠዂ።

“ሚስጥር እዛ ዕለት’ባ ንገርኒ፧” እታ ዝያዳ ዝተሃንጠዂላ ንምፍላጥ፡ ገለ ክትብለኒ ምስ ንብዓታ ተጸበኽዋ።

“ብርግጽ! ሚስጥር’ዛ ዕለት ክነግረካ’የ፡ ናይ ብሓቂ እታ ናይ ህይወተይ መወዳእታ ኢለ ዝገልጻ’ያ፡ ቅድሚ’ዛ ዕለት ምግላጸይ ግና፡ ቅድሚኡ ዝነበረ ፍጻሜታት ገለ ክብል—”

“ሓራይ!” ፍቃድ ሃብክዋ።

“ብዙሕ ሰብ ግሪኽ እንተኣቲኻ፡ ካብኡ ዝቅጽል መንገዲ እቲ ዝቀለለ ገይሩ’ዩ ዝወስዶ። እቲ ዝኸፍአ ግና ኣብኡ’ዩ ዘሎ፡ መጀመርታ ገዛ ተኻሪኻ ኢኻ ትቕመጥ፡ መግቢ’ውን ኣሎ፡ እዚ ኲሉ ወጻኢታት ብዩሮ ኮይኑ፡ ብሕጽረት ገንዘብ ኣዚኻ ኢኻ ትሳቀ፡ ካልኣይ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ገሊጸልካ ዘለዂ፡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ክትሰግር ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ’ዩ ዘድልየካ፡ እዚ ድማ ኣሕዋተይ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ’ዩ ብምባል ኣይንኸፍልን ኢና ብምባል ኣብየሙኒ’ዮም፡ ዓለም ከም ኣፍ ዑንቂ ጸቢባትኒ፡ ነዊሕ እዋን ብዘይ ቁም ነገር ኣብ ግሪኽ ኮፍ ኢለ፡ ኲሉ ነገር ተሪሩኒ። እታ ሓንቲ ፍታሕ ዝነበረትኒ ድማ ኣብ ግሪኽ ኢድካ ምሃብ’ያ፡ ነዚኣ ድማ ክውዕላ ኣይደለኹን—”

“ስለምንታይ ግና ኣብ ግሪኽ ኢድኪ ክትህቢ ዘይመረጽ፧ ንሳ ሓንቲ ካብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘይኮነትን፧” ሕርኽርኽ ንዝበለትኒ ነጥቢ መብርሂ ደለዂላ።

“ያ! ግሪኽ ዋላ’ኳ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ትዂን፡ ኣብታ ሃገር ኢድካ እንተሂብካ ዝግበረልካ ዋላ ሓንቲ ሓለፋ የለን፡ ኣነ ድማ ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽኲልካ፡ ተማሃሪት ራብዓይ ዓመት ኮለጅ ማይ ነፍሕን፡ ንኽምረቅ ኣዋርሕ ዝተረፈንን በዓል ምልእቲ ተስፋ’የ ነይረ፡ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ኣትየ ትምህርተይ ክቅጽልን፡ መሓዙተይ ዝበጽሕኦ ጥዑም ናብራ’የ ዝምነ ነይረ። በቓ ገነት ዝኾነ ናብራ የሕልፋ ከምዘለዋ’የን መሓዙተይ ዝነግራኒ ነይረን፡ ኣነ ድማ እዚ’ዩ ነይሩ ሕልመይ። ግና ናይ ቀትሪ ሕልሚ ኣብ ጋህዲ ከምዘይቅየር ግብሪ ምሂሩኒ። ኣብ ግሪኽ ኢድካ እንተሂብካ ዋላ ሓደ ዝግበረልካ ሓለፋ የለን፡ በዚ ምኽንያት’የ ኣብታ ሃገር ኢደይ ክህብ ዘይመረጽኲ።”

“እሞ ናብታ ሕማቕ ዕለት ኢልኪ ትገልጽያ’ዶ ንእቶ፧” መወዳእታ ናይቲ ታሪክ ንምስማዕ ተዳለዂ።

“ብገንዘበይ ንምስጋር ዝነበረ ተስፋ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናቕሃመ’ዩ ከይዱ፡ ኣሕዋተይ ምሕጋዝ ከምዝኣበዩኒ ኣቀዲመ ነጊረካ’የ፡ እቲ ክብሪ ናይ መሰጋገሪ ድማ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ’ዩ ዝኸይድ ነይሩ፡ እታ ዋጋ ዝውስኸሉ ምኽንያት ነይሩ’ዩ፡ ገለ ኤርትራውያን ቀልጢፉ መታን ክሰልጦም፡ ካብቲ ዝኽፈል ዝነበረ ዋጋ ኣዛይዶም ይኸፍሉ፡ እቶም ደላሎ ድማ ኤርትራውያን ዝኸፍለሎም ሰብ ኣሎ ኢሎም ስለ ዝኣምኑ፡ ነቲ ዋጋ ስቅ ኢሎም ይውስኽዎ፡ ብዓቢኡ እቲ ጠንቂ ባዕልና ኢና እየ ዝብል። ካልእ ሕልና ዘይብሎም ደላሎ ኣለዉ፡ ሰብ ወዲ ሰብ ምዃኑ ረሲዖም ናይ ሰብ ነገር ካብ ነብሰ ስጋኦም የህዲሞም፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዋጋ እናወሰዂ ሰብ ዘበሳጭዉ። በንጻሩ ሽሙ ክጠቕሶ ዘይደለዂ መንእሰይ ኤርትራዊ ኣሎ፡ ንዂሉ ብማዕረ ዝሕግዝን ዝድግፍን፡ እዚኦም ከምዚኦም ተስፋ’ዮም ዝኾኑኻ፡ ብዝኾነ ‘ኣቴንስ ገለ ነገር ከተርእየና’ያ’ እናበልኲስ ነዊሕ ጸኒሐ’የ፡ ኣብ መወዳእታ ግና ጸገም ኣብ ርእሲ ጸገም ተደራሪቡ ተስፋ ምስ ኣቑረጸኒ ከይፈተኹ’የ፡ ናብታ ሰንካም ዕለት፡ ማለት 17 መስከረም 2019 ዝኣተዂ።”

“እስከ ብዛዕባ’ዛ ደጋጊምኪ እትጠቕስለይ ዘለኺ ዕለት ኣስፍሕ ኣቢልኪ ንገርኒ፧” ብወገነይ ህንጡይነተይ ሰማይ ዓረገ።

“ኩሉ ተጸንቒቑ ተስፋይ ምስ ሃፈፈ፡ ከይፈተዂ ምስ ሓደ ካሜሮናዊ ደላላይ ይላለ። እዚ ደላላይ ንብርክት ዝበላ ደቒ ኣንስትዮ ነብሰን እናሓተተ ከምዘስገረን ጽቡቅ ገይረ’የ ዝፈልጥ። ኣነ ድማ ከይፈተዂ ሓጺር ሓሳብ ብምሕሳብ ተላለኽዎ። እንተውሓደ ነብሰይ ከየቅረብኲ ሓባቢለ ክሰግረሉ ዝኽእል ዕድል’የ ዘናድይ ነይረ። እዚ ግና ፈትየ ዝኣተኽዎ ከይመስለካ፡ ገዛ ክራይ መግብን ክጠላቀ ምስ ጀመርኲ’የ። መስተ ዳርጋ ይሰቲ ኣይነበርኲ፡ ምስዚ ካሜሮናዊ ምስ ቀረብኲ ግና ሹሻ ክስሕብን መስተ ክሰትን ጀሚረ፡ መግቢ ከም ድላይካ’ዩ፡ ምኽንያቱ ደሊሉ ዘምጽኦ ብዙሕ ገንዘብ ኣሎ። ግና ንረብሓይ ኢለ ስለ ዝኣተዂ ከይፈተዂ እግሪ እግሩ ክኸይድ ጀመርኲ፡ መወዳእታ ድማ እታ ዝምነያ ንምርካብ ከስግረኒ ሓተትክዎ፡ ንሱ ድማ ከም ወትሩ ነብሰይን ቁሩብ ገንዘብ ክኸፍልን ሓተተኒ፡ ክገርመካ ክሳብ እዛ ደቂቅ ምስ ወዲ ቀሪበ ኣይፈልጥን ድንግል’የ ነይረ። ካብዚ ተስፋ ዘይብሉ ህይወት ክገላገል ብምባል ኣብ መዋጥር ኣተዂ፡ ብህይወት ምህላወይ ኣጽልኣኒ፡ ኣብ መወዳእታ ግና፡ ዓይነይ ዓሚተ ኣብ ሓደ መደምደምታ በጻሕኲ፡ ሕማቅ ውሳኔ በቃ!” ንብዓት ጸረር ኣበለት።

“እስከ ብዘይ ስክፍታ ንገርኒ፧” ውሽጣ ክፍትሽ ፈተንኲ።

“በቓ! ሓጺር ውሳኔ ወሲነ፡ ገለ እንተሰለጠኒ ብምባል ኣብዛ ደጋጊመ ዝጠቕሰልካ ዘለዂ ዕለት ማለት ብ17 መስከረም 2019 ድንግልናይ ካብ ጸበባይ እንተናገፈኒ ብምባል ከይፈተዂ ምስኡ ሓዲረ፡ ቃንዛይ ንዕኡ ሓጎስ ክኸውን ከሎ፡ ንዓይ ግና ጸገም ከም ዝኾነ ድሒሩ ተሰዊጡኒ። ክሰደኪ’የ ስለ ዝበለኒ ቀሊጡፉ ክሰደኒ ተጸብየ፡ እንተኾነ ንሱ ደጋጊሙ ድኣ መርወዪ ስምዒቱ ይገብረኒ ነበረ። ግና በዚ እንተዝሓልፈለይ ጽቡቅ ነይሩ። እዛ ዕለት ዝጀመረቶ ጉድ ኣይትወደአን፡ ዝኸፍአ ድኣ ቀጺሉ እምበር—” ዘየቃርጽ ንብዓት ፈነወት።

“ዝኸፍኣ ማለት፧” ክእብዳ ግዜ ኣጥፋእኲ።

“ሓደ መዓልቲ ኣብ ሓደ ባር ናይ ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ይኸደልካ፡ ምስቲ ካሜሮናዊ’የ ነይረ፡ መስተ ኣዚዝና እናሰተና ከለና፡ እታ ዋና ባር ናብ እዝነይ ቀሪባ ከምዚ በለትኒ፡ ‘መስተ ተብዝሒ ኣለኺ ጥንቕቅ በሊ፡ እዚ ምሳኺ ዘሎ ተሰካሚ HIV እዩ ምስ በለትኒ፡ ድሕሪኡ እንታይ ኣጋጢሙ ክርድኣኒ ኣይክኣለን፡ ዳርጋ ኣርባዕተ መዓልቲ ሃለዋተይ ኣይፈለጥኲን፡ ንሰባት ሓቲተ’ውን እቲ ሓቒ ኣረጋጊጸዮ’የ፡ ክሳብ ሕጂ ክገርመካ ኣይተመርመርኲን፡ ግና ህይወተይ ብላሽ ጠፊኣ ከምዘላ ነብሰይ ይነግረኒ ኣሎ። ብሕልሚ ተታሊለ ዝመጻኽዎ መወዳእታ ህይወተይ ለኪሙ ብሓሳብ ከምዝብላዕ ገይሩኒ ኣሎ። ሰባት እንታይ ጥንቃቀ ክገብሩ ኣለዎምን፡ ሓሲቦም ክውስኑ ከምዘለዎምን፡ ናተይ ዓቢ ትምህርቲ’ዩ፡ ኤውሮፓ ጥራይ ክኣቱ ዝነበረ ሕልመይ ብላሽ ኮይኑ። ዕድለይ ዘበላሸወ ካሜሮናዊ ሕሳብ ቅድም ክፈሊ ጀሚሩ፡ ንዕድለይ ምስ ተገናዘየሉ። ብዝኾነ ብዝስምዒት ተደሪኽካ ምውሳን ሳዕቤኑ እዚ ኮይኑ። እቲ ከይሓሰብኲ ዝተበገስክዎ ጒዕዞ ስደት መወዳእታ ውጽኢቱ እዚ ኮይኑ። እቲ ዝጀመርክዎ ጉዕዞ ክሳብ ሕጂ ምዝዛም ኣብዩ፡ በቃ! ዘይተዛዘመ ጉዕዞ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ጥልጠል ኣሎ፡ እታ ብዕለት 17 መጋቢት 2019 ዝፈጸምክዋ ስሕተት ድማ፡ ንዕድለይ ኣበላሽያ ስንብራት ህይወተይ ኮይና ኣላ—” ብምባል ዕላላ ዛዘመትለይ፡ እታ ጌና ኣብ ዘይተዛዘመ ጒዕዞ ዘላ መንእሰይ ሄለን—።

ተፈጸመ

ንዝህልወኲም ርእይቶ፡ ኣብ ኮመንት ብምስፋር ክትገልጹለይ ትጽቢተይ’ዩ። ዝመጽእ ዘሎ ሰምበት ድማ ካልእ ሓቕኛ ዛንታ ሒዘልኲም ክቀርብ’የ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com