Friday , April 26 2024
Credit: Simon Linter / Radio Sweden

ነደፍቲ ህንጻ ሽወደን ጸርፍን ምውራድን ከም ዘሸገሮም ገሊጾም።

ነደፍቲ ህንጻ ሽወደን ብኦንላይን ብፌይስቡክ ዝመጽእ ጸርፍን ምውራድን ከም ዘሸገሮም ገሊጾም።

ኣሰናዳኢት መጽሔት Arkitekten Maria Blom ገለ ነደፍቲ ህንጻ በቲ “ኣንጻር ምክልኻል ምብልሻው ከተማ” ዝበሃል ጒጅለ ብኦንላይን ነቐፍቲ ጸርፊን ኣነዋሪን ቃላት ይወርዶም ምህላዉ ገሊጻ’ላ።

እንተኾነ ግና ኣቦመንበር እዚ ጒጅለ Sigvald Freylander ከምዚ ዝበለ ዕላማ ከም ዘይብሎምን ከምዚ ዝበሉ መልእኽቲታት እንክርእዩ ብኡንብኡ ከም ዝድምስስዎም ገሊጹ’ሎ።

ዛጊት ኣብ ሽውደን ክሳብ 700 ሽሕ ዝበጽሑ ፕሮጀክቲታት ህንጻ ምህላዎምን መብዛሕትኦም ካብዚኣቶም ኣብ 2025 ክውድኡ ትጽቢት ምህላዉን ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com