Tuesday , April 30 2024
New Zealand Prime Minister Jacinda Ardern gives a COVID-19 response update at Parliament, Wellington, New Zealand (Mark Mitchell/New Zealand Herald via AP) WEL801

ኒውዚላንድ: ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ተራእዩ

ካብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ ዝሓለፈ ዓመት: ኒውዚላንድ: ንመጀመርያ ግዜ: ንኻልኣይ መዓልቲ: ብተኸታታሊ ዝዓበየ መጠን ኮቪድ-19 ምምዝጋባ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፋ 24 ሰዓታት: 62 ሓደስቲ ተለከፍቲ ከም እተረኽቡን ጠቕላላ ቊጽሪ ሕሙማት ክሳብ 210 ከም ዝበጽሕ New Zealand Herald ኣመልኪቱ።

እዚ ሓድሽ ለበዳ ( ጅር ደልታ) ኣብ ሒደት መዓልታት ጥራይ ናብ ዝለዓለ ቊጽሪ ብምዕባዩ: ንከተማታት ኦክላንድን ዌሊንግተንን የጥቅዕ ኣሎ።፡

ኒውዚላንድ: ጽንዕ ዝበለ ሕግታትን ዕጽዋን ብምትእትታው ለበዳ ኮሮና ብዕዉት ኣገባብ ካብ ዝመከታ ሃገራት ኮይና እያ ክትጥቀስ ጸኒሓ። እዚ ሓድሽ ለበዳ: ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክሳብ ዝቕልቀል: እታ ሃገር: ካብ ወርሒ ለካቲት ንደሓር: ዝኾነ ማሕበራዊ ለበዳ ከም ዘይጸንሓ እዩ ዝግለጽ።

ከም ግብረ መልሲ: ምልእቲ ሃገር ንሰሙን ኣብ ዕጽዋ ምጽንሓን እዚ ክሳብ ጽባሕ ዓርቢ ንኽቕጽል ከም እተናውሐን ተፈሊጡ’ሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር: ጃሲንዳ ኣርደርን: በቲ ዝወሰደቶ ስጒምቲታት ክትነኣድ እኳ እንተጸንሐት መጠን ክትባት ዜጋታት: ዛጊት 19% ጥራይ ብምዃኑ መንግስቲ ነቐፌታ ክወርዶ ጀሚሩ’ሎ። እዚ መጠን ክትባት ምስ ሃገራት OECD እንክወዳደር እቲ ዝተሓተ ምዃኑ እቶም ነቐፍቲ ይገልጹ። ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠን ለበዳ ብተዛማዲ ኣዝዩ ትሑት እኳ እንተኾነ እዚ ደልታ ዝተባህለ ተላባዒ ጅር: ተወሳኺ ሻቕላ ፈጢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com