Monday , April 29 2024
Credit: Adam Ihse/TT

ናብ ዳዕሽ ክጽንበሩ ዝጓዓዙ ሰባት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተታሒዞም።

ዝሓለፈ ቀዳም ክልተ ናብ ዳዕሽ ንምጽንባር ዝጓዓዙ ዝነበሩ ሰብኡት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዮተበሪ ላንድቬተር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ።

ኣዞም ጥርጡራት በቶም ፍቓድ መቐየዲ ዝሓዙ ሓይልታት ጸጥታ ሽወደን SÄPO እዮም ተታሒዞም።

እዞም ኣብ ክሊ ዕድመ ኣርዓታት ዝርከቡ ሰብኡት ኣብ ምኽታብ፡ ምስትምሃርን ግብረሽበራ ተዋፊሮም ምጽንሖም ዝገለጸ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ምስ ግብረሸራውያን ጒጅለታት ርክብ ከይሃለዎም ኣይተርፍን ብዝብል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ምህላዎም ወሲኻ ገሊጻ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com