Tuesday , April 30 2024
Healthcare is forced to prioritize after lack of medicines. (AP Photo/Frank Augstein) FAS504

ናይ ኮቪድ መድሃኒታት ይውዳእ ከም ዘሎ ተሓቢሩ

እቲ ንምክልኻል ለበዳ ኮቪድ ዘገልግል ስትሮቪማብ ዝተባህለ መድሃኒት ክውዳእ ስለ ዝቐረበ ኣብዚ ግዜ `ዚ ክንክን ጥዕና ቀዳምነት ክህብ ከም ዝግደድ ራድዮ ሽወደን ጸብጺቡ፡፡

ሕጽረት ኣብ ዘጋጥመሉ ኩነታት፡ ነቶም ናይ ጥቕሚ ሓለፋ ክረኽቡ ኣለዎም ተባሂሉ ዝእመነሎም ሰባት ቀዳምነት ክወሃቦም ከም ዝግባእ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስኮነ ሓኪም ተማሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ ፍረድሪክ ሞንሰን ንራድዮ ሽወደን ሓቢሩ፡፡

ብመሰረት መግለጺ ሞንሰን፥ ዋላ `ኳ እቲ መድሃኒት ብቐንዱ ነቶም ከቢድ ሕማም ናይ ስርዓተ-ምክልኻል ዘለዎም መድሃኒት ብግቡእ ዘይሰርሓሎም ሰባት ዝወሃብ እንተኾነ፥

እቲ ኣብ ሰብ-ሰርሖ ጸረ-ኣካላት ማለት antibodies ዝተመስረተ መድሃኒት ኣብ `ቶም ሕሙማት ዘተኣማምን ጽልዋ ስለ ዘይብሉ ቀዳምነት ዝወሃቦም እቶም ዘይተኸትቡ `ዮም ኢሉ፡፡

ኣብ ወርሒ ለካቲት ተወሳኺ መድሃኒት ክወሃብ ትጽቢት ከም ዝግበርን፡ ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ዘሎ መድሃኒት ቅድሚ ምውድኡ ነቲ ዝፍራህ ዘሎ ናይ መድሃኒት ጋግ ከወግዶ ተስፋ ከም ዘሎን ውን ካብ መግለጺ ሞንሰን ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ፡፡

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com