Friday , April 26 2024

ናይ ፋላፈል ሕብራዊ መሓወስታ ሓደገኛ ባእታ

ኣብ ማልመ እተሸጠ ናይ ፋላፈል መሓወስታ ካንሰር ዘምጽእ ባእታ ኣለዎ። እዚ ድማ ነተን ናይ ኤውሮጳዊ ሃገራት ተነጊሩወን ኣሎ።

እቲ ሓደገኛ ባእታ፡ ሮዳሚን ቤ ዚብሃል እዩ። ንሱ ኣብ መግቢ ኪኣቱ ኣይግባእን።

እዚ መሓወስታ ፋላፈል ኣብ ለባኖን ይስራሕ፡ ብማልመ ኣቢሉ ድማ ኪሽየጥ ጀሚሩ፡ ግን ንኹለን ኣብያተመግቢ ተነጊሩወን ኣሎ።

እዚ ነገርዚ ኣብ ዝሓለፈ ቀውዒ እዩ ተፈሊጡ፡ ብመሰረት ተቖጻጻሪት መግቢ፡ ማሪያ ስቨንሰን፡ ድማ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተሸይጡ ኣሎ።

ኣብ ፈላፍል ሕብራዊ ነገር ምስ እትረኽቡ፡ ኣይትብልዑዎ። እቲ መሸጣ ደው ኢሉ ምዃኑ ሚእቲ ብሚእቲ ከነረጋግጽ ኣይንኽእልን፡ ትብል ማሪያ ስቨንሰን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com