Friday , April 26 2024

ኔይማር ካብ ጸቅጢ መሲ ናብ ጸቅጢ

ፈረንሳዊት ክለብ ፔኤስጂ ኣብ ታሪክ ሊግ-1 ፈረንሳ  9 ተከታታሊ  ዓወት ብምስዓርት ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣብ ኣብ ፈረንሳ ተስፍር።

ብሰንበት ን ልዮን ዓዲማ ብገፊሕ 5-0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ውልዶ ተጻዋትይ እታ ጋንታ ዝኾነ ምባፐ 4 ሸቶታት ኣመዝጊቡ።

ዝተረፈ ጎል ድማ ካብ ጸቅጢ መሲ ክናገፍ ተባሂሉ ካብ ክለብ ባርሶሎና ዝተሰጋገረ ዝንገረሉ ነይማር  ኣመዝጊቡዋ።

በዚ መሰረት ክልቲኦም ተጻወቲ ንሊግ-1 ፈረንሳ ነፍሲ ወከፎም 8 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኣብ ምምራሕ ይርከቡ።

ስለዚ እየን  ድማ ጋዜጣታት ፈረንሳ ነይማር ናብ ሓዲሽ ጸቕጢ ምባፐ ተሰጋጊሩ ክብላ ኣብ ዓምድታተ ኣስፊረን።

ክለብ ፒኤስጂ ኣብ ኩሉ 9 ጸወታታት ብምስዓር ብ 27 ነጥቢ ን ትስዕባ ዘላ ሊለ  ናይ 8 ተጥቢ ፍልልይ ብምንጻፍ ኣብ ቅድሚት ኣብምምራሽ ትርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com