Sunday , April 28 2024
Foto: Johan Hallnäs/TT kod 10040

ንገበናት ዝምልከቱ ሕግታት፡ ተቐይሮም

ብዙሓት ሰባት ብገበን ቅትለት ወድ ሰብ ተኸሲሶም ገበነኛታት ኮይኖም እንተተረኺቦም ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝዋሃቦም ዝነበረ ንቡር ወይ ከኣ ትሑት ፍርዲ ብምቕያር ብዝላዓለ ማለት ብሕልፈትን ዝበዝሐ ዓመታት ማእሰርቲን ክቕጽዑ ከምዝግበር ንምንጭታት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሽወደን ብምጥቃስ፡ ጸብጻባት ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሮም።

ብመስረት እቲ ዜና፡ ኮነ ኢልካ፡ ብጭካነን ንሕስያ ብዘይብሉ መገዲ ሰብ ምቕታልካ እንተተረጋጊጹ፡ ብዕድመ ልክዕ ፍርዲ ከፍርድ ዝኽል ሕጊ ክህሉ ካብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ጀሚሩ ንዝተቐየረ ሕጊ ብምጥቃም ሰባት ክፍረዱ ከምዝኾኑ እቲ ዜና ኣመልኪቱ።

ካብ ቀረባ ሰብ ሓዳርን መጻምድትን ክሳብ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝተፈጥረ ዝምድናን ዕርክነትን ኣብ ጸገም ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ንዝፍጠሩ ግርጭታት ዝመንቀሊኦም ዝተፈላለዩ ክሳብ ቅትለት ነፍሲ ዝኸይድ ገበናት ክፍጸሙ ምጽንሖምን፡ እንዳዓበዩ ኣብ ርእሲ ምምጽኦምን ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ነዚ ንምግታእ ቅድሚ ሕጂ ክዋሃቡ ዝጸንሑ ንቡር መቕጻዕትታትን ፍርድን ተማሓይሾም ዳርጋ መብዛሕቶም ካብቶም ገበናት ክቕየሩ ከምዝኾነ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com