Friday , April 26 2024
Johan Nilsson// TT

ንግዳዊ ባንክ ዳላርና ሽጉጥ ብዝዓጠቑ ሰባት ተዘሪፉ።

ኣብ ዳላርና ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ንግዳዊ ባንክ ሽጉጥ ብዝዓጠቑ ሰባት ስርቂ ተፈጺሙ ክብል ፖሊስ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ሰባት ብሽጉጥ ሰራሕተኛታት ብምፍርራሕ ከምዝፈጸምዎ ተፈሊጡ።

እቶም ዘረፍቲ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ወሲዶም ዛጊት ከምዘይተፈለጠ ተሓቢሩ።

ፖሊስ እቲ ዞባ፣ ሰራሕተኛታት እቲ ባንክ ብምርግጋእ ተክኒካዊ ምርመራ ከምዝጀምረ ኣረዲኡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com