Friday , April 26 2024
(AP Photo/Sam McNeil) XBEJ202

ንጸሓያዊ ምንጪ ኤሌክትሪክ ኣፍሪቃ፡ ዝኸውን ሓገዝ ክግበር እዩ

ብጸሓያዊ ምንጪ ጸዓት ኣፍሪቃ፡ ሚልዮናት ኣብ ኦንላይን ዘየለዉ ሰባት ክሕገዙ ክኽእሉ እዮም። ነዚ ክዉን ንምግባር ሲዳ ናይ ለቓሕ ሓገዝ ክህብ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ’ሎ ክብል ማዕከን ዜን ተተ ሓቢሩ።

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ናእሽቱ ትካላት ቢዝነስ ምህናጽ ተጀሚሩ ዝነበረ ምትካል ጸሓያዊ ጸዓት ከም እተቛረጸ ተመልኪቱ። በዚ ጸዓት ኣቢልካ ዝግበር ዝነበረ ምምላእ ባትሪ  ሞባይልን ናይ ገጠር ስርዓተ መብራህቲን፡ ብምኽንያት ምቊራጽ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ሲዳ፡ ተኣጓጉሉ እዩ ጸኒሑ። እዚ ናይ ረድኤት ትካል፡ ነተን ጸዓት ኤሌክትሪክ ክሃንጻ ዝደልያ ናእሽቱ ቢዝነሳት ጠመተ ጌሩ ዝሰርሕ እዩ። እዞም ፕሮጀክቲታት እንድሕሪ ፈሺሎምን ዕዳ ክኽፈል እንተ ዘይተኻኢሉን መንግስቲ ሽወደን ከም ኣውሓሲ ዕዳ 90 ሚልዮን SEK ክኸፍል እዩ ይብል እቲ ዜና። እዚ SIMA እተሰምየ ነዚ ፋይናንስ ዘመሓድር ትካል፡ ክሳብ ፍርቂ ቢልዮን ክሮና ከለቅሕ ይኽእል።

እቲ ውጥን፡ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ 25 ሃገራት ክሳብ 100 ዝኸውን ልቓሓት ንምቕራብ እዩ። እዚ ልቓሕ ካብ 50 ሽሕ ዶላር ክሳብ 2.5 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com