Sunday , April 28 2024

ኖርወይ፡ ካብ ሓደጋ ክታበት፡ ተጠንቅቅ

ንዓበይትን ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ሕሙማትን፡ ዝወሃብ ክታበት ኮቪድ-19፡ ብቡዙሕ ሓደጋታት ዝተሓጽረ  ክኸውን ከምዝኽእል በዓል መዚ ጥዕና ኖርወይ ኣጠንቂቑ።

ኖርወይ ዘመሓላለፈቶ መጠንቀቕታ፡ ድሕሪ’ቲ ብኤጄንሲ መድሃኒት ኖርወይ ዝቐረበ ብዛዕባ እቶም ክታበት ኮሮና ምስ ወሰዱ ኣብ ሓጺር እዋን ዝሞቱ 23 ሽማግለታት ዝምልከት ጸብጻብ ምስ ተመሓላለፈ ምዃኑ ይፍለጥ።

ካብቶም ዝሞቱ ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ ናይ 13 ምውታት መርመራ ምስ ተኻየደ፡ ኣሊታዊ ጽልዋታት ክታበት፡ ኣብ ምሟት ናይዞም ሰባት ተራ ተጻዊቱ ከኸውን ከምዝኽእል ክፍለጥ ተኻኢሉ። እንተኾነ እዞም ሰባት፡ ብዕድመ ዝደፍኡን ጥዕናዊ ኩነታቶም ዝደኸመ ከምዝነበረ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ።

ስለዚ፡ እቶም ጥዕናዊ ኩነታቶም ድኹም ዝኾኑ ሰባት፡ ክታበት ኣብ ዝወሃቦም እዋን፡ ሳዕቤን ናይቲ ኣሉታዊ ጽልዋ ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእል እቶም ተመራምርቲ ይሕብሩ።

ኣብ ሃገረ ኖርወይ፡ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 33 ሽሕ ሰባት ፍርያት ኩባንያ ፋይዘር ዝኾነ ክታበት ተወጊኦም ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ፍርያት ኩባንያ ሞደርና ዝኾነ ክታበት ድማ ፍቓድ ረኺቡ ከምዘሎ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com