Wednesday , May 8 2024
Foto: Politiet / NTB scanpix / TT / kod 20520

ኖርወይ፡ ወጻእተኛታት ብቐሊሉ መለለይ ወረቐት ክረኽቡ ክግበር እዩ።

ወጻእተኛታት መዓልታዊ ህይወቶም ዝቐለለ መታን ክኸውን ብምባል መንግስቲ ኖርወይ መሰል መለለዪ ወረቐት ኖርወይ ክዕድል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

“ምቕማጦም ኣብ ኖርወይ ዝኾነ ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት እተወልዱል ዓመትን ካልእን ዘመልክት ግዜያዊ ወረቐት መንነት ካብ ሃገራዊ ማእከል ምዝገብ ክወሃቦም እዩ።

“በዚ ወረቐት መንነት ኣቢሎም ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ንዘጋጥሞም ሕቶ መንነት ክምልሱ ክኽእሉ እዮም” ክብል ኣብ ሚኒስትሪ ምድላው ህጹጽ እዋንን ፍትሒን ጸሓፊ መንግስቲ ኤሪክ ኢድሴ ገሊጹ።

እዚ ውጥን ካብ ሰለስተ ወርሒ ንላዕሊ ኣብ ኖርወይ ንኽቕመጡ መሰል ወይ ፍቓድ ንዝተዋህቦም ወጻእተኛታት ዝምልከት እዩ ተባሂሉሎ።

ሚኒስትሪ ምድላው ህጹጽ እዋንን ፍትሒን ነዚ እማመኡ ናብ ባይቶ ኖርወኡ ስቶርቲን ኣእትይዎ ምህላዉን ክሳብ ሰነ 3 ናይ ግዜ ገደብ ተዋሂብዎ ምህላዉን ኖርዌይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com