Monday , April 29 2024
(Fredrik Hagen, NTB scanpix via AP)

ኖርወይ፡ ዩክሬናውያን ንምሕጋዝ ኣብ ዝተኻየደ  ኮንሰርት 75 ሚልዮን ክሮና ተኣኪቡ።

ብምኽንያት ወራር ሩስያ ግዳያት ዝኾኑ ዩክሬናውያን ንምሕጋዝ ተባሂሉ ኣብ ኖርወይ ኣብ ዝተኻይደ ኮንሰርት 75 ሚልዮን ክሮና ከም እተኣከበ ተገሊጹ።

ኣብዚ ብ 7 መጋቢት ዝተኻየደ ኮንሰርት ከምኒ ቲርጊቭ ስካውግ፡ ያርል በርንሆፍትን ማርያ መናን ሙዚቃዊ ስርሓት ኣቕሪቦም። 
እዚ ዝተኣከበ ገንዘብ ብ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ፡ ቆንስል ስደተኛታት ኖርወይ፡ ህጻናት ኣድሕን፡ ካሪታስ፡ ረዴት ቤተክርስትያን ኖርወይ ኣቢሉ ክመቓራሕ እዩ ተባሂሉሎ። እዘን ትካላት ብቐጥታ በቲ ኲናት ግዳያት ምስ ዝኾኑ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ብምዃን ክሰርሓ እየን ተባሂሉ’ሎ።

ዋና ጸሓፊ እዘን ውድባት ረድኤት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኖርዌጃውያን ከምዚ ዝበለ ሃገዝ ምግባሮም ድሕሪ ምምስጋን ካልኦት እውን ኣሰሮም ብምስዓብ ብ ቪፕስ 2170 ኣቢሎም ሓገዝ ከበርክቱ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com