Monday , April 29 2024
Terje Pedersen / NTB

ኖርወይ ፡ ኣስታት 20,000 ሰባት ናይ ስራሕ ረብሓታቶም ክስእኑ እዮም ተባሂሉ። 

ብምኽንያት ምውዳእ ውጥን ለበዳ ኮሮና ኣብ ዝቕጽል ክልተ ኣዋርሕ, 26,400 ሰባት ናይ ሽቕለት ረብሓታቶም ክስእኑ ከም ዝኽእሉ ኖርወይ ቱደይ.ኣመልኪታ። 

ረብሓታት ሽቕለት ለበዳ ኮሮና ንብዙሕ ግዜያት ክናዋሕ ምጽንሑ ዝገለጸት እታ ማዕከን ዜና ሕጂ ግና ክውዳእ ከም እተገብረ ወሲኻ ሓቢራ። በዚ ድማ ካብ ሎሚ ባሕቲ ሚያዝያ ኣትሒዞም ሎሚ ዓርቢ ኣስታት 20,000 ሰባት ናይ ስራሕ ረብሓታቶም ክስእኑ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ዝቕጽል ወርሓ ግንቦት ከኣ ተወሰኽቲ 6000 ሰባት እዚ ረብሕታቶም ግዜኡ ክሓልፎ’ዩ ክትብል NAV ሓቢራ’ላ።  

ምስ ምውዳእ መምርሒታት ኮሮና ተንሳፊፎም ዝጸንሑ ሰባት እንተስ ብምሉእ እንተስ ብኸፊል ናብ ልሙድ ስርሖም ተመሊሶም ኣለዉ። ካብዞም 26,400 ዝኾኑ ናይ ሽቕለት ረብሓታቶም ዝስእኑ ሰባት እቶም 10,600 ካብ ስራሕ ዝተሰናበቱ እዮም።  

እዚ ማለት ካብ 10 ሰባት እቶም 6 ሕጂ ናይ  ናይ ሽቕለት ረብሓታቶም ዝስእኑ ሰባት ተራ ደለይቲ ስራሕ እዮም። ዝበዝሑ ናይ ኣስራሓይ ወይ ምስ ናይ ስራሕ ህይወት ዝኾነ ርክብ ኣይጸንሖምን ክብል ሓላፊ ስታቲስቲክስ NAV ኡልፍ ክሪስተርሰን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com