Tuesday , April 30 2024
Foto: Terje Pedersen / NTB

ኖርዌይ፡ መፍረ መግቢ ኦርክላ ኣብ ሩስያ ዝነበሮ ስራሕ ደው ኣቢሉ’።

ኦርክላ ኣብ ሩስያ ዝነበሮ ቢስዝነስ መፍረ መግቢ ሃሜ ደው ከብሎ ምውሳኑ እቲ ኲባንያ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ኲባንያ ኣብ ሩስያ 367 ሰራሕተኛታት ዘለዉዎ ኮይኑ ኣብ 2021 ክሳብ 184 ሚልዮን ክሮና ኣታዊ ከም ዝነበሮን ኣብ ዕዳጋ ሩስያ ንነዊሕ ዝጸንሑ መግቢታት ይቕርብ ምንባሩን እታ ኩባንያ ወሲኻ ገሊጻ።

“ድሕሪ ነዊሕ ናይ ውሳነ መስርሕ ኣብ ሩስያ ክንሰርሕ ኣይግባእን እዩ ብዝብል ኲባንያና ክንዓጹ ወሲንና ኣለና። ኣብዚ ሕማቕ እዋን ሰራሕተኛታትና ከይሽገሩ ኲሉ እንኽእሎ ክንገብር ኢና” ክብል ዋና ኣካያዲ እቲ ስራሕ ዮሃን ዊልሀልምሶን ገሊጹ’ሎ።

ኦርክላ ናብ ሩስያን ቤላሩስን ዝገብሮ ሰደድ ኣብ 2021 ናብ 105 ሚልዮን በጺሑ ምንባሩን ካብዘን ሃገራት ናይ 23 ሚልዮን ኣቑ ይሽመት ምንባሩን እቲ ኲባንያ ወሲኹ ጸብጺቡ”ሎ። ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ብርክት ዝበላ ኲባንያታት ኖርርወይ ኣብ ሩስያ ዝነበረን ስርሒት ምቊራጸን ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com