Friday , April 26 2024
Foto: Gorm Kallestad / NTB scanpix / TT

ኖርዌይ፥ ቀታሊ ቲያ ሃልቮርሰን 20 ዓመት ተፈሪዱ።

ኣብ ሳንደፍዮርድ 47 ዝዕድሜኡ ሰብኣይ ን ጓል 31 ዓመት ቲያ ሃልቮርሰን ብራቮልድ ብምቕታሉ ን 20 ዓመት ማእሰርቲ ከም እተፈርደ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ሰብኣይ ብዘይካዚ ክሳብ 250 ሽሕ ክሮና ዝግመት ካሕሳን ክኸፍል እዩ ተባሂሉ። እቲ ሰብኣይ ነዚ ቅትለት ከም ዘይፈጸሞ ክኽሕድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ ቤት ፍርዲ ኣግደር ግና ነቲ ገበን ከም ዝወዓሎ መርትዖታት ብምቕራብ ብይኑ ኣመሓላሊፉ’ሎ። እዚ ገበን ቅትለት ብኣዝዩ ኢሰብኣዊ ኣገባብ እዩ ተፈጺሙ ዝበለ እቲ ቤት ፍርዲ ናይ ገበነኛ DNA ከይተረፈ ኣብ መርመራ ምርካብ ገበነኛ ከም ዝወዓለ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com