Friday , April 26 2024
In this photo released by the official website of the office of the Iranian Presidency, President Ebrahim Raisi speaks during a cabinet meeting in Tehran, Iran, Wednesday, Oct. 27, 2021. Raisi said Wednesday that a cyberattack which paralyzed every gas station in the Islamic Republic was designed to get "people angry by creating disorder and disruption," as long lines still snaked around the pumps a day after the incident began. (Iranian Presidency Office via AP) VAH101

ኢራን . . . እስራኤል ከተጥቅዓ ከም እትኽእል፡ ስግኣታ ትገልጽ

ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ሓይሊ ባሕሪ እስራኤልን ኢማራት ዓረብን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ መርከብ ኲናት ኣመሪካ ኮይኖም ዝገብርዎ ጸጥታዊ ስርሒት፡ ኣብ ኢራን፡ ዓብዪ ወተሃደራዊ ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እውን ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ጥቃ ወደባዊት ከተማ ኤላት፡ ኣብ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር፡ ሸውዓተ ሃገራት እተሳተፋሉ ካልእ ልምምዳዊ ስርሒት ተኻዪዱ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።

በዚን ወዲኸምዚን ኣብ ስግኣት ዝኣተወት ኢራን እውን፡ ኣብ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ልምምዳትን ስርሒታትን ተጸሚዳ ምህላዋ፥ እታ ሃገር እውን ምስ ካልኦት ሃገራት፡ ሽርክናታት ትፈጥር ምህላዋ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝወጹ ጸብጻባት የመልክቱ።

እዚ ወጥሪ ነቲ እስራኤል ንፕሮግራም ኑክሌር ኢራን ብወተሃደራዊ ሓይሊ ንምዕናው ትውስን ዶ ትኸውን ዝብል ሻቕላ ኣዛዪድዎ ኣሎ ክብል BBC ሓቢራ’ላ።

መንግስቲ እስራኤል፡ ኣብ መደብር ኑክሌር ኢራን ክካየድ ንዝኽእል መጥቃዕቲ፡ ድሮ ናይ 1.5 ቢልዮን ዶላር ባጀት መዲቡ ምህላዉን ዳርጋ መዓልታዊ ክበሃል ብዝከኣል መጠን፡ ካብ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን መራሕቲ እታ ሃገር፡ መጠንቀቕታታት ይውሕዙ ምህላዎም ቢቢሲ ወሲኻ ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com