Saturday , April 27 2024
Foto: Erik Simander / TT kod 11720

ኢንዱስትሪታት ብ ናህሪ ዋጋ ሞተረ ዲዝል ይጥቅዓ።

ኣብ ሽወደን ዋጋ ነዳዲ ሞተረ ዲዝል ብቕልጡፍን ዘይነዓቕን መጠን ክውስኽ ምጽንሑን እዚ ድማ ብ ሓይሊ ሞተረ ዲዝል ዝንቀሳቐሳ ተሽከርከርቲ ኣብ ዝግልገላ ቢዝነሳት ጸቕጢ ፈጢሩ ምህላዉ ተገሊጹ።

በዚ ድማ ሚኒስተር ጒዳያት ገጠር ኣና-ካረን ሳዘርበሪ ኣብ ኩባንያታት ሕርሻን ፍሩስታለን ንዝውዕል ዲዝል ዝስላዕ መጠን ቀረጽ ክጐድል እማመ ኣቕሪባ’ላ።

ዋጋ ነዳዲ ዲዘል ካብቲ ዓሚ ዝነበሮ ብ 40% ብምውሳኹ ዘወርቲ ዓበይቲ መካይን ኣብ ዓብዪ ጸቕጢ ምህላዎም ኣባል ማሕበር ኪብንያታት መጓዓዝያ ምድሪ ዝኾነ ፍረደሪክ ስቨንሰን ገሊጹ’ሎ።

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com