Sunday , April 28 2024

ኣሃዱታት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ስቶክሆሎም፡ ነጻ ቦታ ከምዘይብለን ሓቢረን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆሎም ዝርከባ ኣሃዱታት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል፡ ዝህበኦ ኣገልግሎታት ኣብ ጥርዙ ከምዝበጸሐ ሓቢረን። ካብቲ ዝለወን ቦታታት፡ እቲ 99% ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ከምዘሎን ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ካብ ዝጅምር እዚ ተርእዮ ናይ ፈለማ ምዃኑ ጋዜጣ ዳግኔዝ ኒሂተር ገሊጹ።

እዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ኩነታት፡ ናይ ሞትን ሕየትን ብምዃኑ፡ ሓደገኛ ይገብሮ ክብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ካሮሊኒስካ ሓላፊ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝኾነ ቢሮን ፒርሾን ሓቢሩ።

ኣብ 160 ዝብዝሐን ኣሃዱታት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከብ ዓራውቲ፡ ብሕሙማት ኮቪድ-19 ን ካልኦት ሕሙማትን ተታሒዙ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣሃዱታት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ተፈጢሩ ዘሎ ጸቕጢ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽድያ ዝነበረ ብዝያዳ ከምዝወሰኸ፡ ፒርሾን፡ ገሊጹ።

እቶም ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሰባት፡ ብሰንኪ ተፈጢሩ ዘሎ ጸቕጢ፡ ኣገልግሎት ናይ ዘይምርካብ ሓደጋ ከጋጥሞም ከምዝኽእል፡ ፒርሾን፡ ወሲኹ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com