Friday , April 26 2024
Secretary of State Antony Blinken speaks about Russia and Ukraine during a briefing at the State Department on Wednesday, Jan. 26, 2022, in Washington. (Brendan Smialowski/Pool via AP) WX518

ኣመሪካ፡ ንጠለብ ሩስያ ነጺጋ

ሩስያ ንጐረቤታ ዩክሬይን ክትወርር ትክእል እያ ዝብል ስግኣት ኣብ ዝሰፈነሉ ዘሎ እዋን፡ ኣመሪካ፡ ነቲ ዩክሬይን ኣባል ኔቶ ክትከውን የብላን ዝብል ጠለብ ሩስያ ነጺጋቶ።

ብኻልእ ወገን፡ ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልዋላው ዩክሬይን ንምፍታሕ፡ ንሩስያ፡ ወግዓዊ መልሲ ከም ዝሃባ ድማ ተፈሊጡ። ብሊንከን፡ ንሩስያ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ኣመሪካ ዝኾነ ሕድገታት ከም ዘይትገብር እንተኾነ ሩስያ ክትስዕቦ ዝግባኣ ዲፕሎማስያዊ ጎደና ከእትዋ ከም ዝደሊ ሓቢሩ’ሎ። ብሊንከን ምስ ኔቶ ብምትሕብባር ዝሃቦ መልሲ፡ ሃገሩ ከተጽንዖ ከም እትደሊ፡ ሓደ ሩስያዊ ሚኒስተር፡ ገሊጹ’ሎ።

ሩስያ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ሽርክነት ኔቶን ካልእ ዝተተሓሓዙ ጸጥታዊ ጒዳያትን ኣመልኪታ ናይ ጽሑፍ ዝርዝር ኣውጺኣ ‘ላ። ሓደ ካብዚ ድማ ዩክሬይንን ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳን ናብ ውድብ ኔቶ ከይጽንበራ ዝብል ውሳነ እዩ። ኣመሪካ፡ ሕመረት መትከለይ እዩ ዝበለቶ ጒዳይ፡ ማለት፡ ዩክሬይን ከም ሉኣላዊት ሃገር መጠን ናብ ዝደለየቶ ውድብ እንተላይ ኔቶ ናይ ምጽንባር መስላ ክኽበር ከም እትደሊ ንሩስያ ከም ዝገለጸትላ ቢቢሲ ሓቢራ’ላ።

ኣብ ቀረባ ሳምንታት ሩስያ ኣብ ዶብ ዩክሬይን ገዚፍ ሰራዊት ምጽግዓ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com