Monday , April 29 2024
Damaged vehicles and personal property are strewn over a wide area along Kentucky 81, Saturday, Dec. 11, 2021, in Bremen, Ky, after a devastating tornado swept through the area on Friday night. (Greg Eans/The Messenger-Inquirer via AP) KYOWE601

ኣመሪካ . . . ቁጽሪ ግዳያት ህቦብላዊ ማዕበል፡ ካብ 100 ክሓልፍ ከም ዝኽእል ተገሊጹ

ብሰንኪ ኣብ ከተማታት ኬንታኪ ዘጋጠመ ሓያል ህቦብላዊ ማዕበል፡ መጠን ሞት፡ ካብ ሚእቲ ክሓልፍ ከም ዝኽእል ኣመሓዳሪ እታ ስቴት ገሊጹ።

እዚ እናኾነ፡ ብህይወቶም ዝተረፉ ሰባት ናይ ምርካብ ተስፋ እናተጸንቀቐ ምምጽኡ እቲ ኣመሓዳሪ ወሲኹ ኣረዲኡ። እዚ ኣብ ታሪኽ እታ ስቴት ዝተመዝገበ ዝኸፍአ ባህርያዊ ሓደጋ ምዃኑ ዝገለጸ፡ ኤንዲ በሽር፡ ብውሕዱ 80 ሰባት ምሟቶም ከም እተረጋገጸ ወሲኹ ኣረዲኡ።

ንሱ “ኣብ ቅድሚ እቲ ማዕበል ደው ዝበለ እሞ ብህይወት ዝወጸ የለን” ኢሉ። ኣብ ካልኦት ስቴታት እውን 14 ሰባት በዚ ማዕበል ምሟቶም ተጸብጺቡ ኣሎ። ብምክንያት እዚ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣብ ስቴት ኬንታኪ ዓብዪ ናይ ፈደራል ህጹጽ እዋን ሓገዝ ኣዊጁ’ሎ። ብመሰረት እዚ ኣዋጅ ድማ ሓገዛት ፈደራል ናብዘን ኣመና እተሃስያ ከባቢታት ክቐርብ እዩ።

300 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት መድሕን ነቶም ብህይወቶም ዝወጹ ኣብ ምሕጋዝን ፍርስራስ ኣብ ምእላይ፥ ከምኡውን ማይን ጀነሬተርን ኣብ ምቕራብ ተዋፊሮም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com