Monday , April 29 2024
(Christian Murdock/The Gazette via AP) COCOL101

ኣመሪካ: ብሰንኪ ባርዕ ኮሎራዶ: ዓሰርተታት ኣሽሓት ይግዕዙ

ኣብ ስቴት ኮሎራዶ ብሰንኪ ዘጋጠመ ባርዕ: ኣማኢት ኣባይቲ ክቃጸል እንከሎ: ዓሰርተታት ኣሽሓት ተቐማጦ ድማ ናብ ካልእ ከባቢ ከም ዝግዕዙ ይግበ ምህላዉ ተገሊጹ።

እዚ ብፍጥነት ዝሳወር ዘሎ እሳት ብፍላይ ካብ ደንቨር ንሰሜን ቦልደር ካንትሪ ኣበርቲዑ ይቃጸል ምህላዉ ቢቢሲ ሓቢራ። እዚ እሳት እናተላብዐ ምስ ምኻዱ ሞትን መጒዳእቲ ኣካልን ክስዕብ ከም ዝኽእል ሰብመዚ ይገልጹ ኣለዉ።

ከም ኣካል ናይዚ ምግዓዝ ትማል ሓሙስ 3000 ተቐማጦ ሉዊቪልን ሱፒርዬርን ካብ ኣባይቶም ክወጹ ተጌሮም ኣለዉ።

ኣመሓዳሪ እታ ስቴት ያረድ ፓሊስ ናይ ህጹጽ እዋን ኣብ ዝኣወጀሉ ግዜ “እዚ ባህርያዊ ሓደጋ እዩ፥ ንፋስ ንዝሕልን ክሊማ ክቕየርን ተስፋ ንገብር፥ በዚ ሓደጋ ዝተጎዳእኩም ኣጆኹም ምሳኹም ኣሎና” ኢሉ።

ኣብታ ስቴት ዝተኸስተ ተራእዩ ዘይፍለጥ ነቕጺን ክሳብ 105 ኪሎሜትር ኣብ ሰዓት ዝሸብብን ንፋስ ነቲ እሳት መመሊሱ የላብዖ ምህላዉ ጸብጻባት ኣመልኪቶም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com