Saturday , April 27 2024
Guillermo Arias/AP/TT

ኣመሪካ ተወሰኽቲ 3750 ወተሃደራት ናብ ዶብ መክሲኮ ትልእኽ።

ኣመሪካ ተወሰኽቲ 3750 ወተሃደራት ናብ ዶብ መክሲኮ ክትልእኽ እያ ክብል መደበር ምክልኻል ኣመሪካ ካብ ፔንታጎን ሓቢሩ።

ብጠቕላላ 4350 ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዶባት ክልቲኣተን ሃገራት ክዕስክሩ እዮም ማለት እዩ።

እዞም ሓደስቲ ተወዛዕቲ ኣብቲ ዶባት ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ሓለዋ ወሰንን ምህናጽ ትሪኮላታዊ ሓጹርን ክዋፈሩ እዮም ተባሂሉ’ሎ።

እቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ሓለዋ ዶብ ዝነበሩ ወተሃደራት ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ኣብኡ ክጸንሑ እዮም ይብል እቲ ሓበሬታ ወሲኹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com