Tuesday , April 30 2024
The FDA gives the vaccine from Pfizer and Biontech the first full approval in the United States. (AP Photo/Andrew Harnik)

ኣሜሪካ: ንክታበት ፋይዘር: ምሉእ ፍቓድ ትህብ

ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ (FDA)፡ ነቲ ብኩባንያ ፋይዘርን ባዮንቴክን ዝፈረየ ክትባት ጸረ ኮሮና ምሉእ ፍቓድ ከምዝሃበ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ክታበት ፋይዘር፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ህጹጽ እዋን ፍቓድ ተዋሂብዎ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብቲ ኲባንያ ዝተረኽበ ክሊኒካዊ ሰነዳት መሰረት ብምግባር፡ እዚ ክታበት፡ ልዕሊ 16 ንዝዕድሜኦም ዜጋታት ኣሜሪካ፡ ንክወሃብ ምሉእ ፍቓድ ረኺቡ’ሎ።

በዚ ድማ፡ ክታበት ፋይዘር፡ ኣብ ኣመሪካ ንልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ንኽወሃብ ምሉእ ፍቓድ ዝረኸበ ፋልማይ ክትባት ኮይኑ’ሎ። ብኻልእ ወገን ሞደርናን ከምኡውን እቲ ኣብ ኣውሮጳ ጃንሰን እናተባህለ ዝጽዋዕ Johnson&Johnson ናይ ህጹጽ እዋን ተቐባልነት ጥራይ ከም ዝረኸቡ ይፍለጥ።

ኣብ ኣመሪካ ለበዳ ኮሮና ብናህሪ ተበራቢርሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ኣብ ክትባት ዘሎ ጥርጣረ ማዕሬኡ ከም ዝዓበየ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ፡ ክታበት ፋይዘር፡ ምሉእ ፍቓድ ምርካቡ መጠን ክትባት ክውስኽ እዩ ዝብል ተስፋ መንግስቲ ከም ዘሎ ወሲኹ ገሊጹ።

ካብ 12 ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድሜኦም ቆልዑ ብዝምልከት፡ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ተወሳኺ መረዳእታ ይጽበ ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ። እዚ ይዂን እምበር፡ ትሕቲ 12 ዓመት ዝዕድሜኦም ቆልዑ ክታበት ፋይዘር ክወስዱ ከም ዘይብሎም ሓበሬታ ተመሓላሊፉ’ሎ።

ኣሜሪካ ብለበዳ ኮሮና ኣዝያ ዝተጠቕዐት ሃገር ምዃና ይፍለጥ። ዛጊት 628 ሽሕ ኣሜሪካውያን በዚ ሕማም ዘስዕቦ ምትሕልላኻት ጥዕና ክሞቱ እንከለዉ፡ 38 ሚልዮን ሰባት ድማ ከም እተለኽፉ ሓበሬታ ዩኒቨሪስቲ ጃንስ ሆፕኪንስ የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com