Saturday , April 27 2024

ኣረጋውያን ሓድሽ መበራትዒ ብልቃጥ ኮቪድ ክወስዱ መተኣሳሰቢ ቀሪቡ

Credit: Fredrik Sandberg/TT

ኣብ ዝመጽእ ሚያዝያ ኣብ መላእ ሽወደን ክታበት ኮቪድ ዳግማይ ክጅመር ምዃኑ ተፈሊጡ። ኩሎም ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ከምኡ’ውን ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ዘቤታዊ እምበር ካልእ ክንክን ዘድልዮም ሽማግለታት መበራትዒ ክታበት ኮቪድ ክወስዱ ምኽሪ ቀሪቡ’ሎ። “እቲ ስግኣት ዝወሰኸ ንርኢ’ለና ” ክብል ተጸዋዒ መንግስቲን ክኢላ ለበዳን ማግኑስ ጊስለን ንመደብ ፒ4 ኤክስትራ ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ። እዚ እናኾነ ኣብ ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ሽወደን ዝተቖጽሩ 1.2 ሚልዮን ሰባት ኣብ መንግስታዊ ጽላት ሎሚ ብኣስራሕቲ ሓድሽ ናይ ሓባር ልዝብ ውዕል ክቕበሉ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። እተን ማሕበራት ብንጹር ዝተቐመጠ ወሰኽ ደሞዝ ከምኡ’ውን ምምሕያሽ ሰዓታት ስራሕ፡ ወይ መዓልቲ ስራሕ ብምሕጻር ወይ ድማ ሰራሕተኛታት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታቶም ዝያዳ ጽልዋ ክወኣቦም ጠሊበን ኣለዋ። ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ነዚ ገብራ ዝቐሰበን ህሉው ከቢድ ቁጠባዊ ኲነታትን ኮይኑ ኣብ ምቑጻር ሰራሕተኛታትን ሰራሕተኛታት ናብ ከም ኣብያተ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ዝኣመሰሉ ኢንዱስትሪታቶም ኣብ ምስሓብ ዘሎ ጸገማትን ጠቒሶም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com