Friday , April 26 2024
Taliban fighters take control of Afghan presidential palace after the Afghan President Ashraf Ghani fled the country, in Kabul, Afghanistan, Sunday, Aug. 15, 2021. (AP Photo/Zabi Karimi) XRG162

ኣባላት ኤምባሲ ሽወደን፡ ካብ ኣፍጋኒስታን፡ ወጺኦም

ኩሎም ኣባላት ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሽወደን ኣብ ኣፍጋንስታን፡ ትማሊ ለይቲ፡ ብኣሜሪካዊት ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ተጻዒኖም፡ ካብ ርእሲ ከተማ ኣፍጋኒስታን፡ ካቡል፡ ናብቲ ኣብ ደውሓ፡ ቐጠር፡ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ ከምዝበጽሑ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ኣን ሊንደ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኩሎም እቶም ኣባላት ኣብ ጽቡቕ ጥዕናዊ ኩነታት ከምዘለዉ ድሕሪ ምሕባር፡ ንብዙሕ ሰዓታት መግቢ ከይበልዑ ስለዝተጓዕዙ፡ ቁሩብ ደኺሞም ከምዘለዉ፡ ኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ኣፍጋኒስታን ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ብዙሓት ሃገራት፡ ኣባላት ቤት ጽሕፈት ኤምባሲታተን ካብ ኣፍጋኒስታን የውጻኣ ምህላወን ተገሊጹ።

ጉጅለ ጣሊንባ፡ ኣብ 2001 ካብ ስልጣኑ ምስተዓልወ፡ ክሳብ ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ ቃልሲ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ትማሊ ሰንበት ግን ናይ መጨረሽታ ንርእሰ ከተማ ካቡል ድሕሪ ምሓዙ፡ ንኣፍጋኒስታን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘእተዋ፡ ማዕከናት ዜና ዓለም ሓቢረን።  ፕረዚደንት’ታ ሃገር፡ ኣሽራፍ ቃኒ፡ ካብታ ሃገር ሃዲሙ ምውጽኡ ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com