Monday , April 29 2024

ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ካልኣይ ዶዝ ክታበት፡ ምሃብ ክጅምር እዩ

ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ነቶም ኣብ መላእ ሽወደን ዝርከቡ ቀዳማይ ዶዝ ዝወሰዱ ሽማግለታት፡ ካልኣይ ዶዝ ክታበት፡ ምሃብ ክጅምር እዩ።

ኣብ ምምሕዳር ጎትላንድ፡ ሎሚ ሶኑይ ንግሆ፡ እቶም ኣቐዶሞም ቀዳማይ ዶዝ ዝወሰዱ ሽማግለታት፡ ካልኣይ ዶዝ ክወስዱ ጀሚሮም ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እታ ኣብ ምምሕዳር ጎትላንድ ናይ ፈለማ ክታበት ዝተወግአት፡ ኢልሳ ሶደርዳል፡ ሎሚ፡ እታ ካልኣይቲ ዶዝ ከምተኸበተ ተፈሊጡ።

ካልኣይ ዶዝ ምውገአይ፡ ጽቡቕ ስሚዒት ይስመዓኒ፡ ዝበለት ሶደርዳል፡ ክንፈርህ ይብልናን ትብል። ንሳ፡ ወላ’ኳ ካልኣይቲ ዶዝ ይወጋእ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ንደገ ክወጽእ ኣይደልን እየ፡ ግዚኡ ኣይኮነን ትብል።  

እቲ ቀንዲ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ’ቲ ክታበት፡ ድሕሪ እዛ ካልኣይቲ ዶዝ ስለ ዝረአ፡ እዛ ካልኣይቲ ዶዝ ምውሳድ፡ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ ክትብል ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነት፡ ማርያ ኣሚር፡ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com