Saturday , April 27 2024

ኣብዚ ዘለናየ ዓመት ብዝሒ ብተኹሲ ዝተቐትሉ ሰባት ኣስታት 20 በጺሖም!!

ኣብ ፍርቂ ዓመተ 2019 ክሳብ 100 ዝበጽሑ ናይ ተዂሲ ምልውዋጣት ከምዝተኸሰቱን በዚ ድማ 20 ሰባት ምሟቶምን ፖሊስ ሽወደን ዝሰርሖ ናይ ቀረባ ግዜ ስታትስቲክ ኣመልኪቱ። እዞም ናይ ብረት መጥቃዕቲታት ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሽወደን ምግጣሞም እንተኾነ ግና ካብዘን ከተማታት ሓሊፎም ካልኦት ማሕበረሰባት’ውን ክጽለዉ ከምዝተጸለዉ እውን እዚ ስታቲስቲክስ ፖሊስ ኣመልኪቱ’ሎ። እዞም ተዂሲትታ መርበባት ወንጀለኛታትን ጒሒላታትን ዝፍንውዎም ኮይኖም ስፍሕ ዝበለ ጂኦግራፍያዊ ክሊ እናሓዙ ምምጽኦምን ኣብ ብዙሕ ቦታታት መሻርኽቲ ይረኽቡ ምህላዎም’ውን እቲ ሓበሬታ ይገልጽ። ኣብ ከተማታት ስቶክሆልም ከተማታት ኢስኩሊስትናን ቬስትሮስን ብፍላይ ብንጥፈት ክንቀሳቐሱ ይረኣዩ ምህላዎም ኮሚሽነር ፖሊስ ጉነር ኣቤልግሪን ኣመልኪቱ። ኣብ ኢስኩሊስትና ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ብዙሕ ምልውዋጥ ተዂሲ ከም እተራእየን ዓሚ በዚ ሰባት ምሟቶምን ኣብቲ ጸብጻብ ተዘኪሩ’ሎ። ብዘይካ እዚኦም ከባቢታት ጒሒላዊ ጒጅለታት ኣብ ከተማታት ዮተበሪን ማልሞን, ከምኡ’ውን ቬስትሮስ, ኦረብሮን ኡብሳላን ብብዝሒ ተራእዮም እዮም። ብመሰረት ወግዓዊ ጸብጻባት ኣብ ዓመተ 2018 ክሳብ 306 ዝበጽሑ ናይ ተዂሲ ምልውዋጣት ከም እተኸሰቱን በዚ ድማ 45 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com