Tuesday , April 30 2024
Counting of votes in the Italian parliament on Wednesday. ( Roberto Monaldo/LaPresse via AP) XDS103

ኣብ ሃገረ ጣልያን፡ ፕረዚደንት ክምረጽ ኣይተኻእለን ተባሂሉ

ባይቶ ሃገረ ጣልያን፡ ንሳልሳይ ግዜ ፐረዚደንት ንምምራጽ ዝገበሮ ፈተነ ክሳኻዓሉ ከምዘይከኣለ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እቲ ሕጂ ዘሎ ፕረዚደንት ሰርጂዮ ማታሬላ፡ ንኻልኣይ ዙር ፕረዚደንትነት ከገልግል ድሌት ከምዘይብሉ’ኳ ኣንተገለጸ፡ እቲ 80 ዝዓመቱ ሽማግለ፡ ካብቶም 1 ሽሕ ዝኾኑ ድምጺ ኣባላት ባይቶ ጣልያን፡ 125 ብምርካቡ፡ እቲ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ኮይኑ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ማሪዮ ድራጊ ብወገኑ፡ መዝነቱ ክቕይር ድሌት ከምዘለዎ ሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ምርጫ ግን 5 ጥራይ ናይ ድጋፍ ድምጺ ረኺቡ ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ብድራጊ ዝምራሕ ሰፊሕ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ፡ ብዘይ እቲ ፕረዚደንት፡ ንኸይፈርስን እታ ሃገር ድማ፡ ኣብ ሓድሽ ናይ ምርጫ መስርሕ ንኸይትኣቱ፡  ብባይቶ ጣልያን፡ ዓቢ ስክፍታ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ልክዕ ከምቶም ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዙር መረጻታት፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ’ውን፡ እቶም መብዛሕትኦም መረጽቲ፡ ናብቲ መድመጺ ሳጹን ባዶ ናይ መረጻ ወረቓቕቲ ብምእታው እዮም ድምጾም ኣስሚዖም። እተን፡ውድባት፡ ዝኾነ ዓይነት ዘቀራርብ ሓሳብ ክሕዛሉ ዝኽእላ ኩነታት ንምፍጣር፡ ይላዘባ ምህላወን ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ቀጻሊ ክካየድ ትጽቢት ተገይሩሉ ዘሎ ራብዓይ ዙር ምርጫ፡ ናይ 505 ድምጺ ምርካብ ጥራሕ እኹል ከምዝኾነ ተፈሊጡ ኣሎ።

መዛግቢ ከምዝሕብርዎ፡ ሃገረ ጣልያን፡ ቅድሚ ሓድሽ ፕረዚደነት ምምራጻ፡ ተደጋጋሚ ናይ ምርጫ ፈተነታት ኢያ ተካይድ። ከም ኣብነት ክጥቀስ እንከሎ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ፕረዚደንት፡ ድሕሪ 23 ናይ ምርጫ ፈተነታት ዝተመርጸ ምዃኑ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com