Friday , April 26 2024
Julia Wall/AP/TT

ኣብ መላእ ሃገር ሽወደን ውርጪ ይወድቕ ምህላዉ ተገሊጹ።

ዋላኳ ወቕቲ ሓጋይ እንተሃለወ ኣብ መላእ ሃገር ሽወደን ውርጪ ይወድቕ ምህላዉ ተገሊጹ።

ኣብ ዞባታት ደቡብ ዝመክኽ በረድ ብቕጽበት ከም ዝበርድ፥ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ እምባታት Naimaka ትማል ለይቲ እቲ ዝተሓተ መጠን ዛሕሊ ማለት ኣሉታ 39.3 ተመዝጊቡ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ብመሰረት ማእከል ሜትሮሎጂ ውርጪ ክሳብ ጽባሕ ምውዳቕ ክቕጽል እዩ። ኣብቲ ኣዝዩ ቈራሪ ሰሜናዊ ዞባ ምንም ውርጪ የለን።

ኣብ ደቡባዊ ዞባ Sakonah ከሙኡውን Haland ውርጪ ዝተሓወሶ ዝናብ ይሃሉ’ምበር ዋዒ ልዕሊ ዜሮ ዲግሪ ሰልሴስ ምህላዉን ኣብ ገማግም Kalmarን Austroolandን ተመሳሳሊ ኲነታት ኣየር ምህላዉን ጸብጺቡ’ሎ።

ኣብ ገለ ክፋላት ዞባ ምብራቕ ውርጪ ክወድቕ እዩ ዝብል ገምጋም ኣሎ።

ኣብ ማእከል ናይ ኲነታት ኣየር ናይ ሓደጋ መልእኽቲ እኳ እንተዘይቀረበ ኣብ ከባቢ ገማግማ ብርቱዕ ውርጪ ክህሉ ይኽእል እዩ ብምባል ንተንሸራተትቲ በረድ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com