Friday , April 26 2024

ኣብ መርከብ “ክሮናን” እትረኽበ ኣዕጽምቲ መርመራ ዲኤንኤ ክግበረሉ እዩ።

Credit: Andi Loor/TT

ኣብ ኣብ 1676 ኣብ እዋን ኲናት ኡላንድ ዝጠሓለት መርከብ “ክሮናን” ዝርከብ ኣዕጽምቲ መወትቲ ናይ ዲኤንኤ መርመራ ክገበረሉ እዩ።  ተሳፈርቲ’ዛ መርከብ ኲናት ካበይ ምዃኖም ወይ ምስ ህሉዋት ዘለዎም ዝምድና ክረጋገጽ እዩ ዝብል ተስፋ ኣሕዲሩ ምህላዉ እውን ተሓቢሩ። እዚ ብዙሕ ግዜን መጽናዕቲን ዝሓትት እኳ እንተኾነ ክግበር እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ላርስ ኤናረን ካብ ቤተመዘክር ካልማር ካውንቲ ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።

እዛ መርከብ ብምጥሓላ ኣስታት 800 ተሳፈርታ ምሟቶም ናይ ታሪኽ መዛግብቲ ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com