Monday , April 29 2024
The firefighting work is underway at the marina on Strandgatan in Malmö after an explosion on Tuesday evening. Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ኣብ ማልመ፡ ብርክት ዝበላ ጀላቡ፡ ብሓዊ ተቓጺለን

ትማሊ ሰሉስ ምሸት፡ ኣብ ማልመ ድሕሪ ኣብቲ ነኣሽቱ ጃላቡ ዝዕሽጋሉ ሊምሃልምን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ፡ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ነትጒ ኣብኡ ዝነበራ ጀልባታት ብሓዊ ከምዝተባረዓ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት፡ ብሰንኪ እቲ ትኪ፡ ካብ ገዝኦም ንኸይወጹ ተነጊሩዎም ነይሩ።
“እቲ ናባና ዝደወለ ሰብ፡ ነትጒ ከም ዝሰመዐን ብድሕሪኡ ድማ ሓዊ ክቃጸል ከም ዝጀመረን ሓቢሩና። ንሕና ጠንቂ ናይቲ ነትጒ፡ እንታይ ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ኣይፈለጥና ኣለና። መበገሲ ናይዚ ባርዕ ሓደጋ ወይ ድማ ወንጀል ድዩ ተፈጺሙ ንፈልጦ ነገር የለን። ኣብቲ ቦታ ክንምርምሮ ኢና” ክብል ወሃብ ቃል ፖሊስ ማልመ፡ ጂሚ ሞዲን፡ ኣፍሊጡ።
እቲ መጠንቀቕታ ደወል፡ ሰዓት 9 ናይ ድሕሪ ቕትሪ እዩ ተሰሚዑ። እቲ ሓዊ ሓያል ትኪ ስለዘስዓበ፡ ከምዚ ዓይነት ጸገማት ምስ ዘጋጥም እሞ ነቲ ሓፋሽ ኣገዳሲ መልእኽቲ ክበጽሖ ምስ ዝድለይ VMA ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ሓበሬታ ፈነወ መስርሕ ተግባራዊ ክኽወን ተገይሩ ኣሎ። እቶም ናይ ድሕነት ሰራሕተኛታት፡ ኩሉ ሰብ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ፡ ማዓጹ፡ መስኹትን ናይ ኣየር መመላለሲ መስመራትን ሓዊሱ ንኽዓጹ ከም ዘተሓሳሰቡዎ ተፈሊጡ’ሎ።
ነቲ ባርዕ ንምቁጽጻር፡ 7 ናይ ህጹጽ እዋን ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝኾና ማዕከናት ከምዝተሳተፋ ተፈሊጡ።
ከም ሓላፊ ናይ ውሽጢ ጉዳያት ናይ ምድሓን ኣገልግሎት ዝኾነ ማትስ ኒልሶን እትድሕር ኮይኑ፡ 4 ብሓዊ ዝተባረዓ ጀላቡ ዝነበራ ኮይነን፡ ድሕሪ ሰዓት 10፡15 ድሕሪ ቐትሪ ዝንበረ ገምጋም ከምዝሕብሮ ድማ፣ ዋላ’ኳ እቲ ባርዕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝዋዓለ እንተኾነ፡ እተን ናይ ህጹጽ እዋን ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ግና ንተወሳኺ 2 ሰዓት ዝኸውን ክጸንሓ ከምዝተገበራ ይሕበር።
ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ነቲ ሓዊ ነጥፍኦ ኢና ዘለና። ሕጂ ከረጋግጾ ዝኽእል ነገር እንተሎ፡ እቲ ሓዊ ካብዚ ንላዕሊ ናይ ምልሓኽ ሓደጋ የብሉን፡ ክብል ኒልሶን ገሊጹ ምንባሩ፡ ምንጭታት ጠቒሰን።
እቶም ፖሊስ፡ ንኽፋላት ስትራንድጋታን ተባሂሉ ዝፍለጥ ጎደና ብምዕጻው እተን ናይ ህጹጽ እዋንን ዕዮታት ዝሰርሓ ትካላት ስርሐን ብዘይ ዕንቅፋት ንኽሰርሓ ከምዝገበረ ውን ብምውሳኽ ሓቢረን።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com