Saturday , April 27 2024

ኣብ ማልሞ ክልተ ናይ ክሮና ቫይረስ ምልክታት ተራእዩ።

ሰበ ስልጣን ጥዕና ማልሞ፡ ንክልተ በቲ ኣብ ቻይና ዝጀመረ፡ ክሮና ቫይረስ፡ ተለኺፎም ንኸይኮኑ ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ዩርኒቨርስቲ እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ውሸባ ከም ዘእተወ ጋዜጣ Sydsvenskan ሓቢራ። እቶም ሕሙማት፡ ትማሊ ሰንበት መርመራ ዝተገብረሎም ድሕሪ ናይ ምስትንፋስ ጸገምን ካልእ ምልክታት ናይ ብክሮና ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ምስ ተራእዮም ምዃኑ እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ ትገልጽ።

እቶም ናብ ቻይና ገይሾም ዝተመልሱ ሰባት እሞ ኸኣ ናይ ምስትንፋስ ጸጋማት ዘለዎም፡ ነቲ ካብኣቶም ዝውሰድ ደም ብጥንቃቐ ከምንርእዮን ንከታተሎን ክትብል፡ ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ማልሞ እትሰርሕ ዶ/ር ኢቫ ጉስታፍሰን ነታ ጋዜጣ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com