Sunday , April 28 2024
Foto Fredrik Sandberg / TT kood 10080

ኣብ ምምሕዳር ቬስተርቦተን፡ ብኦሚክሮን ተለኺፎም ኣብ ሓደጋ ዝወደቁ ሰባት የለዉን

ኣብ ምምሕዳር ቬስተርቦተን፡ ብኮቪድ ተለኺፎም ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሕሙማት፡ ክሳብ ሕጂ፡ በቲ ሓድሽ ጅር ኦሚክሮን ዝተለኽፈ ሰብ ከምዘየለን እዚ ድማ ዓቢ ለውጢ እዩ ክብል ዋና ሓላፊ፡ ዮሃን ቱንበሪ፡ ንVK ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ሕብረተሰብ ቬስተርቦተን ዝርአ ዘሎ ዓቢ ናይ ለበዳ ምስፍሕፋሕ፡ ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል፡ ርኡይ ዝኾነ ጽልዋ ከምዘይፈጠረ እዩ ዝፍለጥ።

ከምቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ፡ ዝተራእየ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ዓቢ ሓደጋ ምስተፈጥረ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል እቲ ዝፍራሕ ዝነበረ ጸቕጢ ኣይረአይን ዘሎ” ክብል ኣብ ኣሃዱ ህጹጽ ሕክምናዊ ምክትታል ምምሕዳር ቬስተርቦተን፡ ዋና ሓላፊ ናይ መጥባሕቲን መደንዘዚን ዝኾነ ዮሃን ቱንበሪ ገሊጹ።  

ንሱ ከምዝበሎ፡ ኣብቲ ኣሃዝ ዝተወሰነ ስክፍታ እንተለዎ እኳ፡ ካብቶም ኣብ ኣገልግሎተ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ሕክምና ዝግበረሎም ዘሎ ሕሙማት፡ ብኦሚክሮን ዝተኽፉ ሰባት ከም ዘይተረኽቡ እዩ ሓቢሩ።

ብመንጽር ኣብ ባይታ ዝርአ ዘሎ መጠን ምስፍሕፋሕ ኦሚክሮን ክልካዕ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል፡ ክረአ ተገሚቱ ዝነበረ ጸቕጢ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣይወሰኸን” ይብል ዮሃን ቱንበሪ።

ቅድም ሓደ ሰሙን ኣቢሉ፡ ራድዮ ሳይንስ (Science Radio) ከም ዝጸብጸቦ እንተኾይኑ፡ ብኦሚክሮን ዝተለኽፉ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ናይ ምእታው ሓደጋ ብፍርቂ ዝኸውን ከም ዝትሕትን፡ እቲ ብሰንኪ’ዚ ቫይረስ ናይ ምሟት ሓደጋ ድማ ምስቲ ደልታ ዝበሃል ጅር ቫይረስ ዘስዓቦ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ 90% ዝወሓደ ከምዝኾነ ንሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝተገብረ መጽናዕቲ ተወኪሱ ከም ዝሓበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። 

ኣብ ዕለት 12 ናይ ወርሒ ጥሪ፡ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ጅር ኦሚክሮን ምስ ጅር ደልታ ክነጻጸር እንከሎ፡ዝቐለለ ጉድኣት ከምዘስዕብ እኳ እንተተፈለጠ፡ ሓደገኝነቱ ግን፡ ዕሽሽ ክንብሎ ኣይግባእን ድሕሪ ምባል፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ ኣብ ሕክምና ደቂሶም ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ዘይተኸትቡ ምዃኖም ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com