Friday , May 10 2024
ቅርጺ ክሮና ቫይረስ ስእሊ፥ ማእከል ምክልኻል ሕማማት , EPA / TT

ኣብ ሽወደንካብ ዓሰርተ ሰባት እቶም 9 ምልክታት ቫይረስ ኮሮና ከምዘየርእዩ ተገሊጹ።

ኣማኻሪ ተላባዕቲ ሕማማት ኣንዲች ቲግኔል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ካብ ዓሰርተ ሰባት እቶም 9 ምልክታት ቫይረስ ኮሮና ኣየርእዩን እዮም ኢሉ። “እዚ ብብዙሕ መጽናዕቲታት ዝተረጋገጸ እዩ” ክብል ቲግኔል ንተሌቪዥን SVT ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። በዚ ድማ ሰባት ምምርማር ኣዝዩ ኣገዳሲ ስጒምቲ እዩ ክብል ድማ ኣስሚሩሉ። እዚ ይዂንምበር ኲሎም ሰራሕተኛታት ሕክምና ክምርመሩ ኣለዎም ንዝብል ሓሳብ ከም ዘይሰማማዓሉ ኣፍሊጡ። ብመሰረር ጸብጻባት ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮምኮፒን 59 ሰራሕተኛታት መርመራ ከም እተኻየደሎምን ገሊኣቶም እቲ ሕማም እናሃለዎም ምንም ምልክታት ዘይምርኣዮን ተመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com