Friday , April 26 2024
Foto: Stina Stjernkvist / TT kod 11610

ኣብ ሽወደን፡ ኣብዚ ዓመት ዝበዝሐ ናይ ጥይት መጥቃዕቲታት ከም ዘጋጠመ ተገሊጹ።

ኣብ መጀመርታ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ ኣብ ሽወደን 27 ሰባት ብ መጥቃዕቲ ጥይት ምሟቶም፡ እዚ ድማ ዝለዓለ ኣሃዝ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ፡ ዝሓለፈ ዓመት ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ነባራት ሓለፍቲ ጒሒላታት ብዝገብሮ ናይ ምእሳር ስርሒታት እዩ፡ ክትብል ኣብ ፖሊስ ሽወደን ሓላፊት ኣሃዱ ስለያ ሊንዳ ስታፍ ገሊጻ’ላ። ብዘይካዚ፡ መንእሰያት ገበነኛታት ግርጭታት ንምፍታሕ ብጥይት ምቕታል ከም ዘዘውትሩ” ፖሊስ ተገንዚቦም ምህላዎም፡ ሊንዳ ስታፍ ወሲኻ ኣረዲኣ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com