Sunday , April 28 2024
Liam McBurney/AP/TT

ኣብ ሽወደን ንኣዋሃህባ ክታበት ኮሮና ምድላዉ ይጻፈፍ ኣሎ።

ኣብ ሽወደን ነቶም ብደረጃ ሕብረት ኤዉሮጳ ተቐባልነት ረኺቦም ዘሎዉ ፊዘርን ቢዮንቴክን ዝተባህሉ ክልተ ክታበት ኣንጻር ቫይረስ ኮሮና ናብ መዓላ ህዝቢ ንምውዓል፡ ብመሰረት ተታሒዙ ዘሎ ሃገራዊ መደብ ፡ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን በብዘብኡ ዝግበሩ ዘለው ምድላዋት የዋሃህድ ከምዘሎን ኩለን ምምሕዳር ዞባታት ሽወደን ንጠለባተን ዘድሊ ዓቀን መዲቡ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ሓቢሩ። 

ኩሉን ዞባታት ሽወደን እቲ ዘድልየን ብዝሒ ዓቐን ምስ ረኸባ ፡ ብመሰረት ንሓደ ሰብ ክልተ ዶዝ ዝዓቀኑ ክታበት መድሃኒት ክዋሃቦ ብዝተወሰነ መሰረት፡ ንዕኡ ዝመጣጠን ብዝሒ ክረኽባ ምዃነን ተፈሊጡ። 

ምስዚ ዝተኣሳሰር ዜና ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ኣብ መጀመርያ እብረ ምዕዳል ክታበት ዝውዕል ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ክታበት ተዳልዩ ከም ዘሎ ይንገር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com