Sunday , April 28 2024

ኣብ ሽወደን ንእምነታት ምንቃፍ ከም ገበን ከም ዘይቊጸር ተገሊጹ።

ኣብ ሽወደን መጽሓፍ ቊርኣን ምቅጻል ከም ገበን ከም ዘይቊጸር፡ ንሓደ ህዝቢ ግዳይ ፕሮፓጋንዳ ምግባር ዝብል ሕጊ ኸኣ ንኸምዚ ዓይነት ጒዳያት ኣብ ግምት ከም ዘየእቱ ተሓቢሩ ። ንዝደለኻዮ ሃይማኖት ክትነቅፍን ተቓውሞኻ ከተርእይን ፍቑድ እዩ ክብል፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ክኢላ “ሕጋዊ ጒዳያት መሰል ምግላጽ ሓሳባት” ኒልስ ፋንኬ ገሊጹ’ሎ። ህዝባዊ ጸጥታ መታን ክሕሎ ፖሊስ ንሓደ ሰልፊ ካብ ሓደ ቦታ ከርሕቕዎ ይኽእሉ እዮም፡ እንተኾነ ግና ንሓደ ሰብ ሓሳብካ ኣይትግለጽ ክብሉ መሰል የብሎምን፡ ምኽንያቱ መልእኽቲ ዴሞክራሲ ብቐንዱ ንሱ እዩ ክብል ፋንኬ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com